April 10, 2011

ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ልዕሊ 150 ከዘንቲ ማይን መእለዪ ወሓይዝን ከምእተሃንጹ ተገሊጹ።

ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ልዕሊ 150 ከዘንቲ ማይን መእለዪ ወሓይዝን ከምእተሃንጹ ተገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፉ 20 ናይ ናጽነት ዓመታት፣ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዞባ ጋሽ-ባርካ ዝተሃንጹ ልዕሊ 150 ከዘንቲ ማይ ትሕተ-ቅርጽታት ማለት ዲጋታት፣ ራህያታትን መእለዪ ወሓይዝን፣ ትሕዝቶ ልዕልን ትሕትን ባይታዊ ማይ ብምህብታም ኣብ ምምዕባል መስኖኣዊ ሕርሻን ምዕቃብ ኣከባብን ልዑል ኣስተዋጽኦ ይገብሩ ከምዘለዉ፣ ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ሕርሻ ዞባ ጋሽ-ባርካ ሓላፊ ኣሃዱ ልምዓት መስኖን ባህርያዊ ሃብትን ኢንጂነር ሳምሶም የማነ ሓቢሩ።

ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ኢንጂነር ሳምሶም፣ መንግስቲ ካብ ጽባሕ ናጽነት ጀሚሩ ብዘካየዶ ጻዕሪ፣ ብኣስታት 173 ሚልዮን ናቕፋ ልዕሊ 13 ሽሕ ሄክታር ከልምዑ ዝኽእሉ 34 መእለዪ ወሓይዝ ከምእተሃንጹ፤ ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ሓረስቶት ናብ ዝማዕበለ ኣገባብ ማሕረስ ተሰጋጊሮም እቶታውነቶም ከምእተመሓየሸ ብምምልካት፣ ልዕሊ 6 ሽሕ ዜጋታት ተጠቀምቲ ኮይኖም ከምዘለዉ ኣረዲኡ።ከዘንቲ ትሕተ-ቅርጺ ብምህናጽ ዝነጠበት ማይ ኣብ መዓላ ንምውዓል ብዝተሳለጠ ስራሕ ድማ፣ ልዕሊ 30 ሚልዮን ናቕፋ ወጻኢ ዝተገብረለን 118 ራህያታት ተሃኒጸን ንልዕሊ 120 ሽሕ ጥሪት ኣገልግሎት ይህባ ከምዘለዋ ዝጠቐሰ ኢንጂነር ሳምሶም፣ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ብዝተዃዕታ ልዕሊ 2 ሽሕ ዒላታት’ውን ኣስታት 7 ሽሕ ሄክታር ይለምዕ ከምዘሎ ገሊጹ።

ብዘይካ’ተን ዝተዛዘማን ኣብ መስርሕ ዝርከባን ዓበይቲ ስትራተጂካውያን ዲጋታት ገርሰት፣ ፋንኮ ጽሙእ፣ ፋንኮ ራዊ፣ ዓሊግድርን ኣብ ከባቢ ኦምሓጀር ትህነጽ ዘላ ሓዳስ ዲጋን፣ ልዕሊ 33 ሚልዮን ናቅፋ ወጻኢ ዝተገብረለን ሽድሽተ ዲጋታት ተሃኒጸን ኣብ ልምዓት መስኖ ኣበርክቶ ይገብራ ከምዘለዋ ኣነጺሩ።

ኢንጂነር ሳምሶም ኣብ መወዳእታ፣ ሚኒስትሪ ሕርሻ ምስ ህዝብን መሻርኽትን ብምትሕብባር ብዘሰላሰሎም ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ምዕቃብ ማይን ሓመድን፣ ልዕሊ 276 ሽሕ ሄክታር ዛላ፣ ኣስታት 1,400 ሄክታር ጀሪፍን ልዕሊ 500 ሽሕ ሜተር ኵብ ከትርታትን ከምእተሳለጠ ብምጥቃስ፣ እዞም ዝተተግበሩ መደባት ኣብ መነባብሮ ሕብረተሰብ ብሓፈሻ ኣብ ምምሕያሽ እቶታውነት ሓረስቶት ድማ ብፍላይ ልዑል ኣስተዋጽኦ ይገብሩ ከምዘለዉ ኣረጋጊጹ።

ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ሕርሻ ዞባ ጋሽ-ባርካ ክኢላ ሃብቲ ገረብን እንስሳ ዘገዳምን ኣቶ ተኸስተ ክፍለማርያም ብወገኑ፣ ጎድኒ-ጎድኒ ከዘንቲ ማይን መእለዪ ወሓይዝን ብምህናጽ መስኖኣዊ ሕርሻ ንምምዕባል ዝተኻየዱ ዕማማት፣ ሃብቲ ገረብን እንስሳ ዘገዳምን ንምስሳን’ውን ኣብ ኣስታት 2 ሽሕን 600 ሄክታር፣ ቍጠባዊ ረብሓ ዘለዎም ልዕሊ 5 ሚልዮንን 300 ሽሕን ፈልሲታት ከምእተተኽሉን ልዕሊ 70 ሽሕ ሄክታር መሬት ከም እተሓዝአን ብምምልካት፣ ሳላ’ዞም ኣብ ውሽጢ 20 ዓመታት ዝተሰላሰሉ ንጥፈታት፣ ናብ ሃብቲ ኣግራብን እንስሳ ዘገዳምን ዘተባብዕ ለውጢ ከምዘርኣየ ሓቢሩ።

******* ኣ.ዜ.ኤ *******

»

1 2

A Look Back on Eritrea’s Historic 1993...

5th YPFDJ Conference in Saudi Arabia concludes

Sixteen years of unbridled violence and defiance

Cabinet of Ministers holds meeting

14th YPFDJ Conference concludes

14th YPFDJ conference in Europe underway