June 22, 2011

ኣብ ዞባ ማእከል ልዕሊ 600 ሚልዮን ናቕፋ ደበስ ተኸፊሉ።

ኣብ ዞባ ማእከል ልዕሊ 600 ሚልዮን ናቕፋ ደበስ ተኸፊሉ።

ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ንምንባይ ስድራ ስዉኣት ቀዳምነት ሂቦም ዝሰርሑሉ ዘለዉ ከምዝኾነ፣ ዳይረክተር ጨንፈር ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ዞባ ማእከል ኣቶ ዮሴፍ ተስፋይ ገሊጹ።

ኣቶ ዮሴፍ፣ ምንባይ ስድራ ስዉኣት ይጽነሓለይ ዘይበሃል ሃገራዊ ዕማም ከምዝኾነ ብምምልካት፣ ብመሰረት ኣብ 2004 ዝወጸ ኣዋጅ ደበስ ስድራ ስዉኣት፣ ኣብ ዞባ ማእከል ካብ 2004 ክሳብ 2010 ንኣስታት 30 ሽሕ ስድራ ቤታት ልዕሊ 612 ሚልዮን ናቕፋ ደበስ ከምእተኸፍለ ሓቢሩ።

ንሱ ብተወሳኺ፣ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ብመገዲ’ቲ ጨንፈር ንጽጉማት ስድራ ስዉኣት ዝለኣኽዎ ልዕሊ 17 ሚልዮን ናቕፋ ሓገዝ’ውን ነተን ዝምልከተን ስድራ ቤታት ከምእተዓደለ ኣብሪሁ።

ብዘይካ’ዚ፣ እቲ ጨንፈር ንኣንስቲ ስውኣትን ደቂ ስዉኣትን ሞያዊ ስልጠናታት ከምዝሃበን ርእሶም ዝኽእሉሉ ባይታ ንምፍጣር ጻዕርታት ይካየድ ከምዘሎን ተፈሊጡ።

ዳይረክተር ጨንፈር ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ዞባ ማእከል ኣቶ ዮሴፍ ተስፋይ ኣብ መወዳእታ፣ ነፍሲ-ወከፍ ዜጋ ሕድሪ ሰማእታት ንምፍጻም፤ ነዛ ብመስዋእቶም ዝመጸት ክብርቲ ሃገር ንምህናጽ ኣበርቲዑ ክሰርሕ ኣዘኻኺሩ።

****** ኣ.ዜ.ኤ ******

Activities of Eritrean Nationals in the Diaspora

ኤርትራ፣ ምድረ ባሕሪ 2 ቀዳማይ ምዕራፍ፣ ጥልያን...

ኤርትራ፣ ምድረ ባሕሪ ቀዳማይ ክፋል ህርፋን 1

President Isaias’ speech in connection with the...

Eritrean nationals celebrate Independence Day...

መደረ ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ