October 9, 2011

ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዓለም ዝተጋህደ ምልዕዓል ኣህዛብ፣ ካብ ምረት ዝነቐለ ምዃኑ ሰሙናዊ ሓተታ ገሊጹ።

ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዓለም ዝተጋህደ ምልዕዓል ኣህዛብ፣ ካብ ምረት ዝነቐለ ምዃኑ ሰሙናዊ ሓተታ ገሊጹ።

ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዓለም ዝተጋህደን ገና ዝቕጽል ዘሎን ምልዕዓል ኣህዛብ፣ ሃገር ብሃገር ነንኣሽቱ ፍሉይነታት’ኳ እንተለዎ፣ መሰረታዊ ጠንቁ ምረት ወዲ-ሰብ ምዃኑ፣ ሰሙናዊ ዝዳሎ ሓተታ ገሊጹ።

እቲ “ህዝቢ ዓለም ማሕበራዊ ፍትሒ ይደሊ’ሎ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተዳለወ ሓተታ፣ ዓመተ 2011፣ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ዓለምና፣ ሰብኣውን ሃገራውን ክብረት ናይ ምርግጋጽ ተባዕ ተበግሶ ህዝብታት ዝተራእየላ ዓመት ምዃና ብምምልካት፣ እዚ ተበግሶታት’ዚ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ይፈልም’ምበር፣ ኣብ ዓረባዊ ዓለምን ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራትን ተሓጺሩ ከምዘይተረፈ ብምጥቃስ፣ እዞም ንነውሕ እዋን ክውህለሉ ድሕሪ ምጽናሕ – ግዜኦም ኣኺሉ በብኵርንዑ ዝፍንጀሩ ዘለዉ ማሕበራዊ ፍትሒ ዝጽውዑ ምንቅስቓሳት፣ መጠኖምን ዓይነቶምን ይፈላለ’ምበር፣ ኣብ ኣመሪካ፣ ምዕራብን ምብራቕን ኤውሮጳ፣ ላቲን ኣመሪካ፣ እስራኤል፣ ህንዲ፣ ፓኪስታን፣ ቻይና፣ ኣውስትራልያን ካልኦትን ሃገራት እናለሓሙ ይኸዱ ከምዘለዉ ኣነጺሩ።

እቲ ሓተታ ኣስዒቡ፣ ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ “እዚ ክውንነት’ዚ ክከሓድ ዘይክእልን ዘይብሉን’ዩ። ህልዊ መድረኽ ዓለምና ናይ ምስትርሓውን ትዕቢትን ግዜ ዘይኮነ፣ ነቲ ዘሎ ክውንነት ብቕኑዕ ኣመለኻኽታ ኣፍልጦ ብምሃብ፣ ዓለምና ናብ ዝበለጸ መድረኽ እትሰጋገረሉ – ሓድሽን ፍትሓውን ስርዓተ ምንብባር ምፍጣር ዘድልየሉ እዋን’ዩ” ክብል ንመበል 66 ኣኼባ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ንዘስመዖ ቃል ብምጥቃስ፣ ነዚ ኣበየ ከባቢታቱ እናለሓመ ዝኸይድ ዘሎ ተቓውሞታት፣ ከም ዕማም ምጥፋእ ሓዊ ብማይ ገጪብካ ምቕሃሙ ዝከኣል ከምዘይኮነ ኣስሚሩሉ።

“ብተፈጥሮ፣ ኩሉ ሰብ ማዕረ’ዩ። መሬትን ጸጋታትን ድማ ንኹሉ ሰብ ብማዕረ’ዩ ዝብጽሖ። ስለዚ ድማ ምዕሩይ ዕድላት ምርካብ፣ ናይ ነፍሲ-ወከፍ ሰብ ዘይህግሃስ መሰል’ዩ” ዝበለ’ቲ ሰሙናዊ ሓተታ ኣብ መወዳእታ፣ ዘለናዮ ዓለማዊ ክውንነት ገሊኡ ብዝረኸቦ ፍሉይ ሓለፋ ይኹን ስልጣኑ ተጠቒሙ ዘይተኣደነ ሃብቲ ዝግብተሉን ዝዝርፈሉን፤ ገሊኡ ድማ ንድራር እለት ቁራስ እንጌራ ስኢኑ ተዓጺፉ ዝሓድረሉ እዋን ምዃኑ ጠቒሱ፣ ዝፍተኑ ፈውሲ ቃንዛ መድሃኒታት መዓልቲ ከናውሑ እንተዘይኮኖም ዘላቒ ፍታሕ ስለዘይምጽኡ፣ ኩለን ሃገራት – ምስትርሓው ገዲፈን፣ ኣድልዎን ህመሻን ብምውጋድ፣ ሱታፌን ምዕሩይ ዕድላትን ዜጋታት ኣብ ፖለቲካን ምቕርሐ ጸጋታትን ዘረጋግጽ ዕላማታትን መትከላትን ከነጽራን ንትግባረኡ ብተወፋይነት ክሰርሓን ከምዘድሊ ኣመልኪቱ።
****** ኣ.ዜ.ኤ ******

Ethiopian Airlines resumes flight to Asmara

President Isaias concludes official visit to...

Speech delivered by President Isaias Afwerki at...

Eritrea reopens embassy in Addis Ababa in fresh...

President Isaias arrives in Addis Ababa

State Lunch in honor of President Isaias