April 29, 2011

ኣብ ዝሓለፈ 20 ናይ ናጽነት ዓመታት፣ ትሕተ-ቅርጺ ኣገልግሎት መራኸቢታት ደልዲሉ ኣብ ኣሳልጦ መነባብሮ ህዝቢ ልዑል ኣስተዋጽኦ ንኽገብር ዓበይቲ ስራሓት’ዮም ተሳሊጦም።

ኣብ ዝሓለፈ 20 ናይ ናጽነት ዓመታት፣ ትሕተ-ቅርጺ ኣገልግሎት መራኸቢታት ደልዲሉ ኣብ ኣሳልጦ መነባብሮ ህዝቢ ልዑል ኣስተዋጽኦ ንኽገብር ዓበይቲ ስራሓት’ዮም ተሳሊጦም።

N ድሩት ዝነበረ ኣገልግሎት ንምብርባርን ንምምዕባልን ብዝተገብረ ወፍሪ ድማ፣ ምዕቡል ዲጂታል ቸንትራለታትን ኣንቴናታትን ብምትካልን ናይ ፈነወ ሰኪዔት ብምዝርጋሕን፣ ኣብ መንጎ ከተማታት ኤርትራ ብማይክሮ-ወይቭ ርክባት ክፍጠር ከምእተኻእለ፤ ኣገልግሎት ሞባይል’ውን ክሳብ ርሑቕ-ገጠራት ከይተረፈ ከምዝሰፍሐ ይፍለጥ።

ብርሃነ ዓንደመስቀል ተወሳኺ’ለዎ።ኮርፖረሽን ኣገልግሎታት ቴለኮሙኒከሽን ኤርትራ (ኤሪቴል)፣ዘተኣማምን ኣገልግሎት ኣብ ምውዳድ ኣብ ዝሓለፈ 20 ናይ ናጽነት ዓመታት ልዕሊ 1.6 ቢልዮን ናቕፋ ዝወድአ ዝተፈላለየ ስርሓት ከምዘሰላሰለ፣ ዋና ኣካያዲ ስራሕ’ቲ ትካል ኣቶ ተስፋስላሰ ብርሃነ ምስ ኤሪና ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መሕትት ገሊጹ።

ብመሰረት ሓበሬታ ኣቶ ተስፋስላሰ ብርሃነ፣ ኣብ ፈለማ ናጽነት – ምስ ዝዓነወ ትሕተ-ቅርጺ ኣብ ውሱናት ከተማታት ኣስታት 13 ሽሕ መስመራት ተለፎን ጥራይ ኣገልግሎት ኪህብ ከምዝጸንሐ፤ ድሕሪ ናጽነት ብዝተገብረ ገዚፍ ወፍሪ ግን፣ ሓድሽ መሳርሒታት ከምእተኣታተወን እቲ ቍጽሪ ናብ 55 ሽሕ ክብ ከምዝበለን ተፈሊጡ።

ቅድሚ 20 ዓመት – ዜጋታት ርክባት ንምግባር ናብ ዓበይቲ ከተማታት እናተጓዕዙ ብውሱን ቍጽሪ ኪግልገሉ ከምዝጸንሑን ኣደዳ ሃልኪ ጕልበትን ወጻኢታትን ይኾኑ ምንባሮምን ዝጠቐሰ ኣቶ ተስፋስላሰ፣ ነቲ ጸገም ንምፍታሕ ኣብ ከረን፣ ባጽዕ፣ መንደፈራ፣ ደቀምሓረ፣ ዓዲ ቀይሕ፣ ባረንቱ፣ ተሰነይ፣ ዓሰብን ጊንዳዕን ዝነበረ ዝኣረገ መሳርሒታት ምሉእ ብምሉእ ብሓደስቲ ብምትካእ፣ ኣብ ማሕበረ-ቍጠባዊ ህይወት ህዝቢ ልዑል ኣበርክቶ ዝገበረ ኣገልግሎት ከምዘረጋገጸ ኣነጺሩ።

ኣገልግሎት ሞባይል ናብ ኩሉ ኩርናዓት ሃገር ንምብጻሕ ዛጊት ን400 ሽሕ ዓማዊል ከገልግል ዝኽእል መሳርሒ ከምዘሎ፤ በብእዋኑ ንዝመጽእ ዘሎ ልዑል ጠለብ ዓማዊል ንምምላእ ድማ ንሓደ ሚልዮን ዓማዊል ከገልግል ዝኽእል ዘመናዊ መሳርሒ ተኣታትዩ ምህላዉ ብምምልካት፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ልዕሊ 198 ሽሕ ተጠቀምቲ ሞባይል ዓማዊል ከምዘለዉ፣ ኣቶ ተስፋስላሰ ኣብሪሁ።

ኣብ ቀዋሚ ተለፎናት ብዝተገብረ ወፍሪ ድማ፣ ነቲ ብ11 ዝጅምር ዝነበረ ብቑዕ ኣገልግሎት ከምዝህብ፤ ከምኡ’ውን ከተማታት ጊንዳዕ፣ ድባርዋ፣ ሓጋዝ፣ ናቕፋን ኣፍዓበትን ሓደስቲ መስመራት ከምዝረኽባ ኣብ ምግባር ዕዉት ስራሕ ከምእተሰላሰለ ዝሓበረ ኣቶ ተስፋስላሴ፣ ዝያዳ መስመራት ተለፎን ንምዝርጋሕ ሓያል ስራሕ ይዕመም ከምዘሎ፤ ኣብ ዓንኬል ኣስመራ ድማ 21 ኪሎ-ሜተር መስመር ፋይበር ተዘርጊሑ ምህላዉ ገሊጹ።

ንኣገልግሎት ኢንተርነት ብዝምልከት ኣቶ ተስፋስላሰ፣ ብኣዝዩ ትሑት ዓቕሚ’ኳ እንተጀመረ፣ በብእዋኑ ዘመናዊ መሳርሒታት ብምትእትታው ናብ 39 ሽሕ ኪሎ-ባይት ክብ ከምዝበለ፤ ምስ ምኽፋት ኮለጃትን ምስፋሕ ኣብያተ-ትምህርትን፤ ከምኡ’ውን ምብዛሕ ቍጽሪ ካልኦት ተመራመርትን ተጠቀምትን እቲ ጠለባት ይበዝሕ ብምህላዉ፣ ብዕጽፊ ንምሕያሉ ጻዕርታት ይካየድ ከምዘሎ ሓቢሩ።

********* ኣ.ዜ.ኤ *********

Eritrea participate at The Red Sea nations...

Switzerland partners with UNDP to support Eritrea...

العربية للطيران تضيف “ارتيريا” إلى...

Foreign Minister Outlines Eritrea’s Achievement...

ENT Diagnostic and Operation Centre Inaugurates

“Eritrea’s Anti-Corruption Experience” ...