January 21, 2012

ኣብ ዓውዲ ጥዕና ዝስልጥኑ ዘለዉ ተማሃሮ። ንህዝቦም ብትግሃት ከምዘገልግሉ ገሊጾም፣

ንልዕሊ ሽድሽተ ኣዋርሕ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ኣሶሼት ነርስ ጊንዳዕ ክልሰ-ሓሳባዊ ትምህርቲ ክከታተሉ ድሕሪ ምጽናሕ። ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣብ ሆስፒታል ከረን ግብራዊ ትምህርቲ ዝቐስሙ ዘለዉ ተማሃሮ። ንዘምሃሮም ህዝብን መንግስትን ብስራሕ ክኽሕሱ ድሉዋት ከምዘለዉ ገሊጾም፣

እቶም ተማሃሮ ረኺቦሞ ንዘለዉ ዕድል ድሕሪ ምምስጋን። ግብራዊ ትምህርቲ ብቐጥታ ምስ’ቲ ሞያን ሕሙምን ዘራኽብ ባይታ ብምዃኑ ኣድማዕነቱ ኣብ ምጥራይ ተመኵሮ ልዑል ምዃኑ ብምሕባር። ቀሲሞምዎ ብዘለዉ ትምህርቲ – ኣገልግሎት ጥዕና ሃገርና ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምድያድ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ኣበርክቶኦም ከምዘዕዝዙ ኣረጋጊጾም፣

“ሞያ ሕክምና – ብሕልና ዝስራሕ። ንድሕነት ሂወት ዘቐድም ረዚን ሞያ’ዩ” ዝበለት ተማሃሪት ሪም ዘወልዲ። ንዝሓመመ ሰብ ብትሕትና። ፍቕርን ሓልዮትን ከተገልግሎ ምሉእ ዕግበት ከምዝፈጥር ኣብሪሃ፣

ዑስማን ሓሎን ዓብደላ ኣድምን ብወገኖም። ሳላ ዝተኸፍተሎም ዕድል ትምህርቲ መጻኢኦም ዘውሕሱሉ ባይታ ኣንጺፎም ከምዘለዉ ጠቒሶም። ኣብ ሆስፒታል ከረን ዝርከቡ ሰብ ሞያ ጥዕና ነቲ ዓውደ-ፍልጠት ብግቡእ ንኽመልክዎ ንዝገበሩሎም ዘለዉ ምትሕግጋዝ ሞጒሶም፣

ኣላዪ ናይ’ቶም ተማሃሮ – መምህር ሚኪኤል በርሀ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ። ካብ ቤት-ትምህርቲ ኣሶሼት ነርስ ጊንዳዕ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ 60፤ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ድማ 40 ተማሃሮ ኣብ ሆስፒታል ከረን ግብራዊ ትምህርቲ ከምዝቐስሙ ከምእተገብረ። ኣብ ቀረባ መጻኢ ድማ ክምረቑ ምዃኖም ጠቒሱ። እዞም መንእሰያት ኣብ ዝተፈላለያ ትካላት ጥዕና ተዋፊሮም ንዝጸንሐ ሕጽረት ክኢላዊ ዓቕሚ-ሰብ ብምምላእ ንህዝቦም ብተወፋይነት ከምዘገልግሉ ጽኑዕ እምነቱ ገሊጹ፣

ኣብ መወዳእታ መምህር ሚኪኤል። ፍልጠቶም ንምዕባይ ቀጻሊ ጻዕሪ እናካየዱ ክሰርሑ ምዒዱ፣

***** ኣ.ዜ.ኤ *****

Meeting of High Level Committee of Eritrea and...

Senior Eritrean delegation visit to Somalia

إرتريا أرض البحر الحلقة الثالثة ” لعلعة...

Senior Eritrean delegation left for Addis Ababa

Diplomatic activities by Eritreans in Diaspora

President Isaias met and held talks with Saudi...