March 15, 2013

ኣብ ውድድር ዙር ኣልጄርያ 2013 እትሳተፍ ዘላ ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ

ኣብ ውድድር ዙር ኣልጄርያ 2013 እትሳተፍ ዘላ ሃገራዊት
ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ

ኣብ ውድድር ዙር ኣልጄርያ 2013 እትሳተፍ ዘላ ሃገራዊት  ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራኣብ ውድድር ዙር ኣልጄርያ 2013 እትሳተፍ ዘላ ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ትማሊ ሓሙስ 13 መጋቢት 2013 ኣብ ዘካየደቶ ብበረድ ኣብ ዝተሸፈነን 2 ዲግሪ ሴንቲግሬድ ኣሉታ ውርጪ ኣብ ዝተመዝገበሉ ኣብ ናይ 221 ኪ/ሜ. ራብዓይ መድረኽ ውድድር ክንድሽሕ ደበሳይ መበል 14፣ በረኸት የማነ መበል 16 ከምኡ’ውን ኣሮን ደብረጽዮን መበል 22 ደረጃ ብምሓዝ ውድድሮም ዛዚሞም።

ኣሰልጣኒ ሙሴ ኣስሄል እታ ሃገራዊት ጋንታ ንእተካይዶ ዘላ በዳሂ ውድድር ኣመልኪቱ ካብቲ ቦታ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ተቐዳደምቲ ሜሮን ተሾመን ኤልያስ ኣፈወርቂን ኣብ ቀዳማይ መድረኽ ብዝገጠሞም ከቢድ ሓደጋ ምውዳቕ ውድድሩ ብኣርባዕተ ተቐዳደምቲ የካይድ ከምዘሎ ብምምልካት ኣብቲ ዓመታዊ ውድድር ይሳተፋ ካብ ዘለዋ 15 ፕሮፌሽናል ጋንታታት ኣርባዕተ ጋንታታት እቲ ውድድር ኣብ ዝተጸንዐ ጊዜ ብዘይምስርዑን ፍጹም ቀዝሒ ኣብ ዝዓብለሎ ኩነታት ኣየር ይካየድ ብምህላዉን ብምቅዋም ካብ ሳልሳይ መድረኽ ነቲ ውድድር ጠንጢነን ምውጽአን ሓቢሩ።

ነቲ ውድድር ብዓለማዊ ማሕበር ቅድድም ብሽክለታ ተመዚዛ ትኣልዮ ዘላ ፖርቱጋላዊት ኮሚሽነር ማርያ ኢዛቤላ ንሃዋሁው’ቲ ውድድር ኣመልኪታ ዘይዕግበታ ኣብ ምግላጽ ከምእትርከብን ኣብ ናይ ሓሙስ ራብዓይ መድረኽ ቅድድም ካብቲ ተሰሪዑ ዝነበረ ውድድር ኣስትታ 100 ኪ/ሜ ከምዝቐነሰትን ዝሓበረ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ብሽክለታ ኤርትራ ሙሴ ኣስሄል ተቐዳደምቱ ነቲ ሎሚ ዓርቢ 14 መጋቢት 128 ኪ/ሜ. ብዝሽፍን ቅድድም ዝዛዘም በዳሂ ውድድር ብብቕዓት ንምፍጻሙ ሓያል ጻዕሪ ኣብ ምክያድ ምህላዎም ሓቢሩ፣ ንሱ ብዘይካ’ዚ ተቐዳዳማይ ዳንኤል ተኽላይ ክሳብ ናይ ሓሙስ ራብዓይ መድረኽ ወዲዩዋ ዝጸንሐ ናይ ትሕቲ-23 ዓመት ጻዕዳ ናይ ክብሪ ማልያ ብሞሮካዊ ተቐዳዳማይ ተወኒና ምህላዋ ወሲኹ ሓቢሩ።

ዙር ኣልጄርያ 2013 ሎሚ ዓርቢ ድሕሪ ምዝዛሙ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ጽባሕ ቀዳም 16 መጋቢት ኣብ ዝካየድ 1.2 ኣብ ዝደረጃኡ ውድድር ቸርኪቶ ዲ’ኣልጄርያ ክትጽመድ ምዃና ይፍለጥ።

ህዝባዊ ርክባት
ኮሚሽን ስፖርት ኤርትራ

President Isaias met and held talks with Russian...

Joint Press Statement following the visit by the...

Eritrea elected to the UN Human Rights Council

Italian Prime Minister conducts official visit to...

Sustainable Development Goal 16 –...

STATEMENT BY HIS EXCELLENCY MR. OSMAN SALEH...