May 21, 2013

ኣብ ውድድራት ዋንጫ ኣፍሪቃ 1968 ከምኡ’ውን 1970 14

ኣብ ውድድራት ዋንጫ ኣፍሪቃ 1968
ከምኡ’ውን 1970 14

ኣብ ውድድራት ዋንጫ ኣፍሪቃ 1968  ከምኡ’ውን 1970 14by Dirar Fessahaye | ኣብ ውድድራት ዋንጫ ኣፍሪቃ 1968 ከምኡ’ውን 1970 14 ሸቶታት ብምምዝጋብ ብሉጽ ኣመዝጋቢ ሸቶ ዝነበረን ኣብቲ ናይ 1968 ውድድር ኣብ ስታድዩም ኣስመራ ብዘርኣዮ ብሉጽ ብቕዓት ብኣፍቀርቲ ስፖርት ሃገርና ‘The man of Asmara ወዲ ኣስመራ’ ዝብል ስም ዝተዋህቦ ህቡብ ኣይቮርያዊ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ሎረን ፖኩ ኣብ መበል 22 ዓመት ጽንብል ናጽነት ኤርትራ ንምስታፍ ትማሊ ሰንበት 19 ግንቦት 2013 ኣስመራ ኣትዩ።

እቲ ኣይቮርያዊ ኮኾብ ተጻዋታይ ኣፍሪቃ ነበር ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፍርቲ ኣስመራ ኣብ ዝኣተወሉ እዋን ላዕለዎት ሓለፍቲ ኮሚሽን ስፖርት ኤርትራ፣ ፈደረሽን ኩዕሶ-እግሪ ኤርትራን ኣባላት ቆንስል ሪፓብሊክ ኮትዲቩዋር ኣብ ኤርትራን ሕቋፍ ዕንባባ ብምሃብ ምዉቕ ኣቀባብላ ገይሮምሉ። ንዕላማ’ቲ ምብጻሕ ኣመልኪታ ካብ ቤ/ጽ. ሪፓብሊክ ቆንስል ኮትዲቩዋር ኣብ ኤርትራ ወ/ሮ. ንግስቲ ቀላቲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ እቲ ቆንስል ብምኽንያት መበል 22 ዓመት ጽንብል ናጽነት ኤርትራ ነቲ ኣይቮርያዊ ጉጅለ ባህሊ ኣብ ኤርትራ ዘካይዶ ባህላዊ ዑደት ንምድማቕ ነቲ ብ 1968 ኣብ እዋን 6ይ ውድድር ዋንጫ ኣፍሪቃ ኣብ ስታድዩም ኣስመራ ብሉጽ ብቕዓት ዘርኣየ ስፖርታዊ ናይ 60ታት ተዘክሮኡ ኣብ ናጻ ኣስመራ ንምሕዳስ ብዝብል ሓሳብ ምንቃሉ ድሕሪ ምሕባራ ንዝምድናታት ክልቲአን ሃገራት ኣብ ምድልዳል ዕዙዝ ኣበርክቶ ከምዝህልዎ ገሊጻ።

ኣይቮርያዊ ሎረን ፖኩ ብወገኑ ‘ድሕሪ 45 ዓመት ተመሊስ ኣብ ናጻ ኣስመራ ምስ ተቐባሊ ጋሻ ህዝቢ ኤርትራ ጽንብል በዓል ናጽነት ከብዕል ምብቅዐይ ሕጉስ’የ’ ድሕሪ ምባሉ ብመንገድ’ዚ ዘካይድዎ ባህላዊ ስፖርታዊን ዑደት ዝምድና ኤርትራን ሪፓብሊክ ኮትዲቭዋርን ብዝልዓለ ዝቕጽለሉ ባይታ ክፍጠር እትስፎ ክብል ወሲኹ ገልጹ። ኣይቮርያዊ ሎርን ፖኩ ምስ ገዳይም ኤርትራውያን ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ 60ታት ሓቢሩ 26 ግንቦት 2013 ብግጥም ጋንታታት ቀይሕ-ብሕሪን ማይተመናይን ኣብ መደባት ውድድር ኩዕሶ እግሪ ንዋንጫ ናጽነት 2013 ብምስታፍ ተዘክሮታቱ ከሐድስ መደባት ተሰሪዑሉ ኣሎ።

ህዝባዊ ርክባት
ኮሚሽን ስፖርት ኤርትራ

Hirgigo power plant: Project worth over 98 Million...

Cabinet Ministers holds meeting

“Beyond Refugee Crisis and Human Tracking...

Engaging & Understanding the Horn of Africa...

Speech by H. E. Ambassador Hanna Simon, Permanent...

The Board of Directors of the African Development...