March 7, 2013

ኣብ ከተማ ብሪዝቤን ዝነብራ ኤርትራውያን ደቂኣንስትዮ፣ ውዳበአን ብምሕያል ኣበርክቶአን ከምዘዕዝዛ ኣረጋጊጸን።

ኣብ ከተማ ብሪዝቤን ዝነብራ ኤርትራውያን ደቂኣንስትዮ፣
ውዳበአን ብምሕያል ኣበርክቶአን ከምዘዕዝዛ ኣረጋጊጸን።

ኣብ ከተማ ብሪዝቤን ዝነብራ ኤርትራውያን ደቂኣንስትዮ፣  ውዳበአን ብምሕያል ኣበርክቶአን ከምዘዕዝዛ ኣረጋጊጸን።

ኣብ ኣውስትራልያዊት ከተማ ብሪዝቤን ዝቕመጣ ኤርትራውያን ደቂኣንስትዮ፣ ውዳቤአን ብምሕያል ኣበርክቶአን ኣብ መደባት ጥሙር ሃገራዊ መኸተ ክብ ንምባል ኣረጋጊጸን።

ንሳተን ኣብ ዘካየድኦ ኣኼባ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንዝዓመምኦ ንጥፈታት ድሕሪ ምግምጋም፣ ጥርናፈአን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናደልደለን እናሓየለን ምምጽኡ ብምምልካት፣ ጨንፈር ሃገራዊ ማሕበር ደቂኣንስትዮ ኤርትራውያን ብምቛም ብሓያል ውዳበ ይቕጽላ ከምዘለዋ ገሊጸን።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፣ ጠቕላሊ ቈንስል ሃገረ ኤርትራ ኣብ ኣውስትራልያን ኒውዝላንድን ኣቶ በሺር እድሪስ-ኑር ተረኺቡ፣ ወፍሪ ልምዓት ንምድንፋዕ ንዝካየድ ዘሎ መደባት ብዝምልከት መብርሂ ድሕሪ ምሃብ፣ ተሳተፍቲ ውዳቤአን ብምሕያል ተጠቀምቲ ናይቲ ንዜጋታት ተኸፊቱ ዘሎ ናይ ወፍሪ ዕድላት ክኾና ተላብዩ።

እተን ደቂኣንስትዮ ብወገነን፣ ንተጻብኦታትን ሽርሕታትን ብንቕሓት መኪተን፣ ብውልቂ ይኹን ብማሕበር መደባት ህንጻት ሃገር ዝሓቶ ኣበርክቶ ከምዝገብራ ኣረጋጊጸን።

***** ኣ.ዜ.ኤ *****

Hirgigo power plant: Project worth over 98 Million...

Cabinet Ministers holds meeting

“Beyond Refugee Crisis and Human Tracking...

Engaging & Understanding the Horn of Africa...

Speech by H. E. Ambassador Hanna Simon, Permanent...

The Board of Directors of the African Development...