October 17, 2011

ኣብ ኤርትራ ዝትግበር ዘሎ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ልምዓት፣ ድልዱል መሰረት ንመጻኢ ምዃኑ፣ ሓላፊ ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ገሊጹ።

 ኣብ ኤርትራ ዝትግበር ዘሎ መሰረታዊ ፍታሕ ዘረጋግጽ ዝትግበር ዘሎ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ልምዓት፣ ድልዱል መሰረት ንመጻኢ ምዕባለ ምዃኑ፣ ሓላፊ ቍጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ ሓጎስ ገብርሂወት ንተሳተፍቲ ፈስቲቫል ኢጣልያ ገሊጹ።

ኣብቲ ብ15 ጥቅምቲ ዝገበሮ ሰሚናር ኣቶ ሓጎስ፣ ንህሉው ፖለቲካውን ቁጠባውን ኩነታት ሃገርን ዞባን፤ ተጻብኦታትን ሽርሕታትን ሓያል መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ሰፊሕ መብርሂ፣ ኤርትራ ብቐጻሊ ስራሕ እናወቀበት እትኸይድን ማሕበራዊ ፍትሒ ዝነገሳን ሃገር ንኽትከውን ብዕቱብ ይስራሕ ከምዘሎ ኣብሪሁ።
ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ ብንቕሓት መኸተኡ ክቕጽል ዘዘኻኸረ ኣቶ ሓጎስ፣ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ማሕበረኮማት ኣብ መንእሰያት ወፍሪ ክገብሩ ኣዘኻኺሩ።

ፈስቲቫል ኤርትራውያን ተቐማጦ ኢጣልያ፣ ብዝተፈላለየ ንጥፈታት ሎሚ ንሳልሳይ መዓልቱ ቀጺሉ ውዒሉ።

***** ኣ.ዜ.ኤ *****

President Isaias met and held talks with Russian...

Joint Press Statement following the visit by the...

Eritrea elected to the UN Human Rights Council

Italian Prime Minister conducts official visit to...

Sustainable Development Goal 16 –...

STATEMENT BY HIS EXCELLENCY MR. OSMAN SALEH...