May 7, 2011

ኣብ ኤርትራ ንኢንዱስትሪ ቱሪዝም ከበጋግስ ዝኽእል ባይታ ተነጺፉ ምህላው፣ ሚኒስተር ኣስካሉ መንቆርዮስ ገሊጻ።

ኣብ ኤርትራ ንኢንዱስትሪ ቱሪዝም ከበጋግስ ዝኽእል ባይታ ተነጺፉ ምህላው፣ ሚኒስተር ኣስካሉ መንቆርዮስ ገሊጻ።

ኣብ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ’ዚ ዝሓለፈ 20 ናይ ናጽነት ዓመታት ብዝተኻየደ ጻዕሪ፣ ንኢንዱስትሪ ቱሪዝም ንምብግጋስ ዘኽእል ባይታ ተነጺፉ ምህላዉ፣ ሚኒስተር ኣስካሉ መንቆርዮስ ገሊጻ።

ብምኽንያት’ቲ ካብ 7 ክሳብ 8 ግንቦት ኣብ ከተማ ከረን ዝቃናዕ ሲምፖዚዩም ሚኒስትሪ ቱሪዝም ኣመልኪታ ኣብ ዘካየደቶ ቃለ-መሕትት፣ ሚኒስተር ኣስካሉ፣ ኣብ ምህናጽ ጽርግያታት፣ ወደባት፣ መዓርፎ ነፈርቲ፣ ህንጻ፣ ትሕተ-ቅርጺ፣ መራኸቢታት፣ ትካላት ወሃብቲን ኣገልግሎትን ካልእን ብዝተገብረ ወፍሪ ተረጋጊጹ ዘሎ ምዕባለ፣ ነታ ብጸጋታት ሃብታም ዝኾነት ኤርትራ ብበጻሕቲ ተባሃጊት ንኽትከውን ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከምዘለዎ ኣረዲኣ።

ኣብ ኩለን ዞባታት ኤርትራ ንበጻሕቲ ዝምስጥ ጸጋታት ከምዝርከብ ዘመልከተት ሚኒስተር ኣስካሉ፣ ውሑስን ቀጻልነት ዘለዎን ምዕባለ ቱሪዝም ንምርግጋጽ ገዚፍ ወፍሪን ሓያል ጻዕሪን ዝሓትት ምዃኑ ጠቒሳ፣ ንዘሎና ቱሪዝማዊ ጸጋታት ብዝግባእ ብምምዝማዝ ተራኡ ኣብ ምጕልባት ቍጠባ ሃገርና ከምዝጻወት ንምግባር፣ ተሳትፎ ትካላትን ህዝብን ወሳኒ ምዃኑ ኣስሚራትሉ።

ኤርትራ ካብ ብከላ ነጻ ዝኾነ ጽሩይ ገማግም ባሕሪ፣ መሳጢ ኣቀማምጣን ምቹእ ክሊማን፣ ጥንታውን ሓርነታውን ቅርስታት፣ ስነ-ሂወታዊ ብዙሕነት፣ ንስልጣኔ ደቂ-ሰብ ዝገልጹ ኣሰራትን እትውንን ብምዃና፣ ብዓቢኡ ከኣ ብዘለዋ ሰላምን ምርግጋእን፣ ንጋሻ ዘኽብር ባህሊ፣ ንበጻሕቲ ዝያዳ ሰሓቢት ከምዝገብራ ኣብሪሃ።

ቱሪዝም ብባህሪኡ ዳይናሚካዊ ጽላት ከምዝኾነ ዘረድአት ሚኒስተር ኣስካሉ፣ ኣብኡ ዝካየዱ ንጥፈታት ሰፊሕ ናይ ስራሕ ዕድልን ምንጪ ኣታውን ከምዝፈጥር ገሊጻ።

ሚኒስተር ቱሪዝም ወይዘሮ ኣስካሉ መንቆርዮስ ኣብ መወዳእታ፣ ምምላእ መሰረታዊ ጠለባት፤ ምምዕባል ደረጃ ወሃብቲ ኣገልግሎትን ዓቕሚ ሰብን፤ ከምኡ’ውን ምውዳድ ትሕተ-ቅርጺ፣ ካብ ናይ መጻኢ መደባት’ቲ ጻላት ምዃኖም ብምጥቃስ፣ ኣብ ጽላት ቱሪዝም ዓቢ ዝላ ንምምዝጋብ፣ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ንዝነብሩ ኤርትራውያንን ወጻእተኛታትን ርሒብ ናይ ወፍሪ ዕድል ተፈጢሩ ስለዘሎ፣ ዜጋታት ብዝግባእ ክጥቀሙሉ ኣዘኻኺራ።

***** ኣ.ዜ.ኤ *****

العمل المتواصل – تعزيز للروح المعنوية نحو...

Commemoration of Operation Fenkil concludes

Commemoration of Operation Fenkil Opens

Dutch action is unwarranted and unacceptable

Interview: President Isaias on domestic issues

وزير الإعلام الإرترى يمانى جبرميسكل لـ...