April 29, 2011

ኣብ ኤርትራ፣ ንወለዶታት ዝኸይድ ምዕሩይ ልምዓት ንምርግጋጽ ድልዱል መሰረት ይንጸፍ ከምዘሎ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ገሊጹ።

ኣብ ኤርትራ፣ ንወለዶታት ዝኸይድ ምዕሩይ ዝርግሐን ዕድላትን ዘለዎ ልምዓት ንምርግጋጽ፣ ብልክዑ ዝሓዘ ቅልጣፈ ድልዱል መሰረት ይንጸፍ’ኳ እንተሎ፣ ብዙሕ ክስራሕ ዝግብኦ ግን ከምዘሎ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ምስ ማዕከናት ዜና ውሽጢ ሃገር ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መሕትት ገሊጹ።

ንህልዊ ዘቤታዊ ምዕባለታት፤ ጥሙር ሃገራዊ ልምዓታዊ ውጥንን ስትራተጅን ኤርትራ፤ ንፖለቲካዊ፣ ጸጥታውን ዲፕሎማስያውን ጉዳያት፤ ንዞባውን ኣህጉራውን ኩነታት ብፍላይ ድማ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ተኸሲቱ ዘሎ ምዕባለታትን ኣመታቱ ኣብ ምድረ-ቤት ገፊሕ መቓንን ርሒብ ኩርናዕ ርእየትን ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ቀዳማይ ክፋል ቃለ-መሕትት፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ናህሪ ቍጠባዊ ዕቤት ኣብ ድልዳለ ናይ’ቲ መሰረት ከምዝምርኰስ ብምምልካት፣ እቲ “ቍጠባ ኤርትራ ብኽንድዚ ሚእታዊት ዕቤት ከርኢ’ዩ” እናተባህለ ዝግበር ዘሎ ትንበያታት ናይ ኣጋጣሚ ከምዘይኮነ፤ ንቍጠባዊ ዕቤት ኤርትራ ዝያዳ ኣተኣማማኒ ዝገብሮ ድማ፣ ብዘይ ናይ ግዳም ደገፍን ጽግዕተኝነትን ብምዃኑ ከምዝኾነ ኣነጺሩ።“ሃገር ናይ ኩሉ ክትገብሮ ከቢድ’ዩ” ዝበለ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ሃገር ንኹሉ ዜጋ ብማዕረ ስለዝብጽሖ፣ ኣብ ኩሉ መዳያት ብማዕረ ክስጕም ክኽእልን እቲ ሃገር ትርጕም ክህልዎን እንተኾይኑ፣ ክካየድ ዘለዎ ስራሕ፣ ዘድሊ ጸጋታትን ዝወስዶ ግዜን ከቢድ’ኳ እንተኾነ፣ ሃገር ምህናጽ ምዅስኳስ ባህሊ’ውን ስለዝኾነ፣ ዛጊት ተሳሊጡ ዘሎ ካብ 10 ሚእታዊት ዘይሓልፍ’ኳ እንተኾነ፣ ብዕቱብ ግን ይስራሓሉ ከምዘሎ ኣስሚሩሉ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ኣብ’ቲ ብመርበባት ኢንተርነት ኣለናልኪ፣ ኢስትኣፍሮን ሆርን ኦፍ ኣፍሪካን ብቐጥታ ዝተዘርግሐ ቃለ-መሕተት፣ ኣብ ኤርትራ ሰለስተ ናይ ልምዓት ዞባታት ማለት ምብራቓዊ ገማግም፣ ከበሳታትን ምዕራባዊ ቈላታትን ከምዘለዉ ብምሕባር፣ ውሕስነት መግቢ መሰረት ነቶም ካልኦት ጽላታት ከምዝኾነ፤ ብዘይ ውሕስነት መግቢ ካልእ ጸጋታት ትርጕም ክህልዎ ከምዘይክእል ጠቒሱ፣ ኣብዚ መዳይ’ዚ’ውን ኤርትራ – ኣንጻር ኩሎም መሰናኽላትን ሸርሕታትን ናብ ዝሓሸ ኩነታት ትግስግስ ከምዘላ፤ ግን ረማዕ ኢልካ ምሕሳብ ከምዘየድሊ ሓቢሩ።

ምስፋን ማሕበራዊ ፍትሒ ብዝምልከት ድማ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ምዕሩይነት ንክልሰ-ሓሳብ ዝዝረብ ክኸውን ከምዘይግባእ ብምግላጽ፣ ኣገልግሎታት ናብ’ቶም ሰብ ዘለዎም ክኸይድ እምበር ሰብ ናብቶም ኣገልግሎታት ክመጽእ ከምዘይብሉ፤ ከምዚ ምስ ዝኸውን ንቝጠባ’ታ ሃገር ዘድክም ኣዝዩ ሓደገኛ ምዃኑ ብምምልካት፣ ኣብ ኤርትራ ዝሰላሰል ዘሎ መደባት ልምዓት ነቲ ርሑቕ ዘቕርብ ከምዝኾነ ኣብሪሁ።

ነቲ ብስም ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ 2009 ኣንጻር ኤርትራ ዝሓለፈ ውሳነ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ መሰረት፣ ሕጋዊ ባይታ ኮነ ፖለቲካዊ ምኽኑይነት ዘይብሉ ሸፈጥ ምንባሩ፤ እቲ ቀንዲ ዕላማኡ ድማ፣ ነቲ ብሕጋዊ መንገዲ ዝተዓጽወ ግን ከኣ ኣብ ባይታ ዘይተተግበረ ናይ መወዳእታን ቀያድን ብይን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብምቕታል፣ ንርግኣት ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ዝኸፍአ ኩነታት ንምምራሕ ምዃኑ ብምሕባር፣ ህዝቢ ኤርትራ ግን ከምዝመከቶን ኣብ ዝሓሸን ዝበረኸን ደረጃ ከምዝደየበን ኣነጺሩ።

******** ኣ.ዜ.ኤ ********

Hirgigo power plant: Project worth over 98 Million...

Cabinet Ministers holds meeting

“Beyond Refugee Crisis and Human Tracking...

Engaging & Understanding the Horn of Africa...

Speech by H. E. Ambassador Hanna Simon, Permanent...

The Board of Directors of the African Development...