September 12, 2012

ኣብ ኣጠቓቕማ ማይን ቀረቡን ሓያል ምሕደራ ምትእትታው መሰረታዊ ከምዝኾነ ሰሙናዊ ሓተታ ገሊጹ።

ኣብ ኣጠቓቕማ ማይን ቀረቡን ሓያል ምሕደራ ምትእትታው
መሰረታዊ ከምዝኾነ ሰሙናዊ ሓተታ ገሊጹ።

ማይ፣ ኣብ ህይወት ደቂ-ሰብን ድሕነት ሃገርን ወሳኒ ግደ ዘለዎ ኣገዳሲ ጸጋ ብምዃኑ፣ ኣብ ኣጠቓቕማን ቀረቡን ሓያል ምሕደራ ምትእትታው መሰረታዊ ከምዝኾነ፣ ሰሙናዊ ሓተታ ገሊጹ።

እቲ “ማይ ብውሕልነት መታን ኪተሓዝ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተዳለወ ሰሙናዊ ሓተታ፣ ኤርትራ ሳላ ቅኑዕ ፖሊሲታታ፣ ጻዕረኛ ህዝባን ረዚን ክብርታታን ክብራን ደኣ’ምበር፣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብባህሪያዊ ጸጋ፣ ስፍሓት መሬት፣ ፍርያምነትን ሃብቲ ማይን ካብ’ተን ዝወሓደ ጸጋታት ዘለወን ሃገራት ምዃና፤ ካብኡ ናብኡ ድማ ናይ ልዕለ-መሬትን ትሕተ-መሬትን ትሕዝቶ ማያ ዘጃህር ከምዘይኮነን ብምምልካት፣ ቀረብ ማይ ብሓፈሻ – ቀረብ ማይ ዓበይቲ ከተማታት ከኣ ብፍላይ ዘዛኒ ከምዘይኮነ ኣስሚሩሉ።

እቲ ሓተታ ብተወሳኺ፣ ንማይን ቀረቡን ከም ውሁብ ወሲድካ፣ ኣባኻኒ ኣጠቓቕማ፣ ወጅሃላይ ኣተሓሕዛ፣ ጃሕጃሕ ክብል ዝውዕል ዝርወት፣ ቅርዓታትን መካይንን ኪኹሕል ዝውዕል ምግያጽ ክርአ ከምዝጸንሐን ዘሎን ብምጥቃስ፣ ዑደት ዓመታዊ ውጽኢቱ ዘይትንቡይ ዝናብ ምስ ናይ ልሙድ ደግስታት ደርቂ ኣብ ዝኽሰቶ ዞባ እንተሊኻ፣ ናይ እለቱ ጥራይ ዘይኮነ ናይ ሓዋሩ ስትራተጂ ምቕያስ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሩሉ።

ውሕስነት ማይ ከየረጋገጽካ ዝዓቢ ጃምላ ሃገራዊ ፍርያት፤ ዝብርኽ ሃገራዊ ቍጠባ፤ ዝመሓየሽ ደረጃ መነባብሮ፤ ብዓቢኡ ድማ ዝፍጠር ሃገራዊ ርግኣት ክህሉ ከምዘይክእል ብምሕባር ድማ፣ ውሕስነት ማይ ከይጨበጥካ – ናይ ደቂ-ሰብ ጥራይ ዘይኮነ፣ ናይ ባሕሪ፣ ደሴታትን ስነ-ፍጥረታዊ ሃብቲ እንስሳታትን ኣከባቢን ድሕነት ክወሓስ ዝከኣል ከምዘይኮነ ከኣ ኣብሪሁ።

እቲ ሓተታ ኣብ መወዳእታ፣ ተጠቃሚ ሕብረተ-ሰብ – ማይ ናይ ሃገር ጸጋን ናይ መጻኢ ወለዶታት ዕድልን ምዃኑ ብምግንዛብ፣ ሃልኪ ማይ ዝዕቅብ፤ ኣሰሓኮ ዘዕቢ፤ ባህሊ ምውሓስ ማይ ከተኣታቱን ንውሕሉል ኣተዓቓቕባ ማይ ንቕሓቱ ኣበሪኹ – ሓላፍነታዊ ኣጠቓቕማ ማይ ከዘውትርን ሃገራዊ ሓላፍነቱ ምዃኑ ኣዘኻኺሩ።

****** ኣ.ዜ.ኤ. ******

President Isaias concludes official visit to...

Speech delivered by President Isaias Afwerki at...

Eritrea reopens embassy in Addis Ababa in fresh...

President Isaias arrives in Addis Ababa

State Lunch in honor of President Isaias

Seminar by President Isaias in Sawa