April 18, 2011

ኣብ ንኡስ ዞባ ፎርቶ-ሳዋ፣ ዓበይቲ ልምዓታዊ መደባት ከምእተሰላሰሉ ተሓቢሩ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ፎርቶ-ሳዋ፣ ዓበይቲ ልምዓታዊ መደባት ከምእተሰላሰሉ ተሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፉ 20 ናይ ናጽነት ዓመታት ኣብ ንኡስ ዞባ ፎርቶ-ሳዋ ዓበይቲ ልምዓታዊ መደባት ከምእተሰላሰሉ፣ ኣማሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ዓብደልከሪም እድሪስ ሓቢሩ።

ህዝቢ ናብ ውሑስ ማሕበራዊ ሂወት ክመርሓሉ ዝኽእል ውሑስ ከባቢ ክጥርነፍ ብዝተኻየደ ስራሕ፣ መሰረታዊ ጠለባት ዘማልኣ ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ከምእተዋደዳን ኣብ መነባብሮ ዜጋታት ርኡይ ለውጢ ከምእተመዝገበን ዝጠቐሰ ኣቶ ዓብደልከሪም፣ ኣብቲ ንኡስ ዞባ ዝርከባ 19 ኣብያተ-ትምህርቲ ፍረ ናጽነት ከምዝኾና ኣነጺሩ።

ውሕስነት ቀረብ ጽሩይ ዝስተ ማይ ንምርግጋጽ ብዝተተግበረ ዕማም፣ ነበርቲ 12 ምምሕዳራት ከባቢ’ቲ ንኡስ ዞባ ጽሩይ ዝስተ ማይ ከምዝረኸቡ፤ ሓሙሽተ ትካላት ጥዕና ተሃኒጸን ጥዕና ዜጋታት ኣብ ምውሓስ ልዑል ኣበርክቶ ይገብራ ከምዘለዋ፤ ነበርቲ ሓውሲ ከተማ ፎርቶ ድማ ትውጠቀምቲ ናይ 24 ሰዓታት ኣገልግሎት ኤለክትሪሲቲ ክኾኑ ከምዝበቕዑ ገሊጹ።

ቅድሚ ናጽነት ኣፍልጦ መስኖኣዊ ሕርሻ ዘይነበሮም ነበርቲ’ቲ ንኡስ ዞባ፣ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣብ ንጥፈታት ልምዓት ጀራዲን ተዋፊሮም፣ ኪንዮ ከባቢኦም ዝኸይድ ፍርያት ከቕርቡ ክኢሎም ከምዘለዉ ዝሓበረ ኣቶ ዓብደልከሪም፣ ልዕሊ 300 ንግዳውያን ትካላት’ውን ተመስሪተን ንጡፍ ኣገልግሎት ይህባ ምህላወን ብምጥቃስ፣ ዝተፈላለዩ ሓደስቲ መስመራት ሳላ ዝተኸፍቱ፣ ህዝቢ ዝምስገን ኣገልግሎት መጓዓዝያ ይረክብ ከምዘሎ ኣብሪሁ።

ኣማሓዳሪ ንኡስ ዞባ ፎርቶ-ሳዋ ኣቶ ዓብደልከሪም እድሪስ ኣብ መወዳእታ፣ መንግስቲ ጠመተኡ ናብ ርሑቕ ገጠራት ብምግባር ሳላ ዘካየዶ ዘይተቘጠበ ጻዕሪ፣ ምዕሩይ ዝርግሐ ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ተረጋጊጹ፣ ህዝቢ ዝተመሓየሸ መነባብሮ ክመርሕ ከምዝበቕዐ ብምምልካት፣ ህዝቢ ተዋዲዶም ንዘለዉ ትካላት ብግቡእ ክከናኸኖም ኣዘኻኺሩ።

******* ኣ.ዜ.ኤ *******

Eritrea participate at The Red Sea nations...

Switzerland partners with UNDP to support Eritrea...

العربية للطيران تضيف “ارتيريا” إلى...

Foreign Minister Outlines Eritrea’s Achievement...

ENT Diagnostic and Operation Centre Inaugurates

“Eritrea’s Anti-Corruption Experience” ...