April 1, 2011

ኣብ ንኡስ ዞባ ሎጎ-ዓንሰባ ተዘርጊሐን ዘለዋ ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎት፣ ንህዝቢ ዝምስገን ኣገልግሎት ይህባ ከምዘለዋ ተሓቢሩ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ሎጎዓንሰባ ተዘርጊሐን ዘለዋ ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎት፣ ንህዝቢ ዝምስገን ኣገልግሎት ይህባ ከምዘለዋ ተሓቢሩ።


ኣብ መብዛሕትአን ዓድታትን ምምሕዳራት ከባቢን ንኡስ ዞባ ሎጎዓንሰባ ተዋዲደን ዝርከባ ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎት፣ ህዝቢ ኣብ ቀረብኡ ዝምስገን መሰረታዊ ኣገልግሎታት ንኽረክብ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ይገብራ ከምዘለዋ፣ ሓላፊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ሙሴ ግርማይ ንኤሪና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ገሊጹ።

ኣቀማምጣ’ቲ ንኡስዞባ ጎቦታትን ስንጭሮታትን ዝበዝሖ ብምዃኑ፣ ዝበዝሑ ነበርቲ ኣብ ፋሕ ዝበላ ዓድታት ከምዝቕመጡ ዝሓበረ ኣቶ ሙሴ፣ መንግስቲ ምዕሩይ ዝርግሐ ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ንምርግጋጽ ብዘካየዶ ሓያል ጻዕሪ፣ ኣብ መብዛሕትአን ምምሕዳራት ከባቢ ትካላት ትምህርትን ጥዕናን ተሃኒጹ ህዝቢ ይግልገለሉ ምህላዉ ብምጥቃስ፣ ነበርቲ ሽድሽተ ምምሕዳራት ከባቢ ድማ ናይ 24 ሰዓታት ኣገልግሎት ኤለክትሪሲቲ ክረኽቡ ከምዝበቕዑ ኣብሪሁ።

ካብ ነበርቲ ደቂ ዳሽምን ደቂ ሸሓይን ኣቶ ሃብተስላሴ ወልደመንቆርዮስን ኣቶ ሰሎሞን ኣውዓለን ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፣ “ሳላ’ቲ በብእዋኑ ዝተዋደደ ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ናብ ዝበለጸ መነባብሮ ክንሰጋገር በቒዕና” ድሕሪ ምባል፣ ኣብ ገለ ከባቢታት ዘሎ ጸገም ጽሩይ ዝስተ ማይን ኣገልግሎት ተንቀሳቓሲ ቴሌፎንን ፍታሕ ክናደየሉ ኣዘኻኺሮም።

ኣብ ንኡስ ዞባ ሎጎዓንሰባ፣ ንኣስታት 32 ሽሕ ህዝቢ ዘገልግላ 16 ኣብያተ ትምህርቲ፣ 5 ትካላት ጥዕና፣ ከምኡ’ውን ብሞተርን ናይ ኢድ ፖምፓን ዝሰርሓ ብርክት ዝበላ ዒላታት፣ ከምኡ’ውን ንሰብን ጥሪትን ዘገልግላ ራህያታትን ዲጋታትን ከምዘለዋ፣ ሰነዳት’ቲ ምምሕዳር ከባቢ የመልክት።

***** ..****

5th YPFDJ Conference in Saudi Arabia concludes

Sixteen years of unbridled violence and defiance

Cabinet of Ministers holds meeting

14th YPFDJ Conference concludes

14th YPFDJ conference in Europe underway

ሓርበኛ ድንጉስ ኣረይ፡ ኣብ መበል 103 ዓመት...