December 18, 2012

ኣብ ስዊዘርላንድ ዝነብሩ ኤርትራውያን መንእሰያት፣ ንዝበረኸ መኸተ ውዳቤኦም ከምዘሐይሉ ኣረጋጊጾም።

ኣብ ስዊዘርላንድ ዝነብሩ ኤርትራውያን መንእሰያት፣
ንዝበረኸ መኸተ ውዳቤኦም ከምዘሐይሉ ኣረጋጊጾም።

ኣብ ስዊዘርላንድ ዝነብሩ ኤርትራውያን መንእሰያት፣  ንዝበረኸ መኸተ ውዳቤኦም ከምዘሐይሉ ኣረጋጊጾም።

ኣብ ስዊዘርላንድ ዝነብሩ ኤርትራውያን መንእሰያት፣ “ኩሉ ድሕሪ ሃገር” ብዝብል ቴማ ብ15 ታሕሳስ ኣብ ዘቃንዕዎ ኣኼባ፣ ንዝበረኸ መኸተ ውዳቤኦም ከምዘሐይሉ ኣረጋጊጾም።

እቶም መንእሰያ፣ ኤርትራ ብኲናትን ተጻብኦታትን ንዝተፈጥረ ጸገማት ብጽንዓት ሰጊራ ኣብ መደባት ልምዓት ተመዝግቦ ዘላ ገስጋስ፣ ንውሁድ ጻዕሪ ህዝብን መንግስትን ዘግህድ ከምዝኾነ ብምግላጽ፣ ንምድንፍዑ ኣበርክቶኦም ከምዘዕዝዙ ቃል ኣትዮም።

ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱ ንተሳተፍቲ ኣብ ዘስመዖ ቃል፣ ነቲ ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ኣንጻር መንእሰያታ ድማ ብፍላይ ዝቐንዐ ተጻብኦታትን ስነ-ኣእምሮኣዊ ኲናትን ብንቕሓት ብምምካት ንዘካይድዎ ዘለዉ ቃልሲ ድሕሪ ምምጓስ፣ ኣብ ኤርትራ ኣብ ምርግጋጽ ማሕበራዊ ፍትሕን ውሕስነት መግቢን ዝምዝገብ ዘሎ ዓወት ብቐንዱ ሳላ ተወፋይነት መንእሰያት ስለዝኾነ፣ ንምዕቃቡን ንምድንፍዑን’ውን ልዑል ጻዕሪ ይካየድ ከምዘሎ ኣረጋጊጹ።

“ዘላቕነት ቊጠባ ንምርግጋጽ፣ ወፍሪ ኤርትራውያን ኣገዳሲ’ዩ” ዝበለ ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል፣ ኣብ ወጸኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ብሓፈሻ መንእሰያት ድማ ብፍላይ ተጠቀምቲ ጸጋታ ሃገሮም ንክኾኑን ቊጠባዊ ውሕስነቶም ንኸረጋገጹን ስጉምቲ ኪወስዱ ጸዊዑ።

ወኪል ህዝባዊ ጉዳያት ኣብ ስዊዘርላንድ ኣቶ ሽለሺ እድሪስ ብግደኡ፣ ኣብ ዝሓለፈ 10 ኣዋርሕ ንዝተኻየደ ንጥፈታት ዝምልከት ገምጋም ድሕሪ ምቕራብ፣ ዝሰፍሐን ዝሓየለን ጥርናፈ መንእሰያት ምርግጋጽ፣ መሰረት ንዝበረኸ ውጽኢት ከምዝኾነ ኣብሪሁ።

ተሳተፍቲ ኣብ መወዳእታ፣ ኣብ ኩሉ ዝካየድ ንጥፈታት ሃገሮም ኣብ ጎኒ ህዝቦምን መንግስቶምን ደው ኢሎም ንምዕዋቱ ከምዝሰርሑ ኣረጋጊጾም።

***** ኣ.ዜ.ኤ *****

Eritrea elected to the UN Human Rights Council

Italian Prime Minister conducts official visit to...

Sustainable Development Goal 16 –...

STATEMENT BY HIS EXCELLENCY MR. OSMAN SALEH...

Meeting of Cabinet Ministers

International Youth Day observed