May 1, 2011

ኣብ ሲምፖዝዩም ሚኒስትሪ ሃብቲ ባሕሪ፣ መጽናዕታዊ ወረቓቕቲ ቀሪቡ።

“ኤርትራ – 20 ዓመታት ሓበን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ኣብ ከተማ ዓሰብ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ሲምፖዝዩም ሚኒስትሪ ሃብቲ ባሕሪ፣ ንንጥፈታት’ቲ ሚኒስትሪ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ናጽነት፣ ዝተሓልፈ ብድሆታትን ናይ መጻኢ መደባትን ዝምልከት መጽናዕታዊ ወረቓቕቲ ቀሪቡ።

ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ምቍጽጻርን ኣገልግሎትን ኣቶ ዓንዶም ገብረትንሳኤ፣ ብቕዓት ትካላት መሸጣ ዓሳ ብምርግጋጽ ሃልኪ ምህርቲ ዓሳ ንምዕባይ፣ ከምኡ’ውን ናይ ሰደድ ዓቕሚ ክብ ንምባል ብዕቱብ ከምእተሰርሐን ዘተባብዕ ውጽኢት ከምእተመዝገበን ብምጥቃስ፣ ካብ 1997 ክሳብ 2010 ካብ ልምዳውያን ገፈፍቲ ዓሳን ኢንዱስትራውያን ጀላቡን ልዕሊ 60 ሽሕ ቶን ዓሳ ብመልክዕ ሰደድ ከምእተላእከ ገሊጹ።

ምዕዳል ፍቓድ ምግፋፍ ዓሳ፤ ምውሳን ዓመታዊ ክግፈፍ ዝግብኦ መጠን ምህርቲ፤ ምእማም ሕዛእቲ ባሕሪ፤ ምቍጽጻር ዘይሕጋዊ ምግፋፍ ዓሳን ምርግጋጽ ድሕነትን ጽሬትን ባሕርን ገማግምን ካብቶም ኣብ ምምሕዳራዊ መዳይ ዝተሳለጡ ዕማማት ምዃኖም ዝጠቐሰ ኣቶ ዓንዶም፣ ኣብ 2001 ላቦራቶሪ መርመራ ብቕዓት ተመስሪቱ ኣገልግሎት ይህብ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ኣብ ኣስታት 7 ሄክታር ገምግም ባሕሪ ሕርጊጎ ኣስታት 1.8 ሚልዮን ዝተፈላለየ ኣትክልቲ ተዘሪኡ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዝርከብ፤ 20 ሄክታር ናይ ሾራ ጫካ ከምእተዓቀበን ዳግማይ ከምእተገረበን ዘመልከተ ኣቶ ዓንዶም፣ ኣብ ዕዲ፣ ጢዖን በርዓሶለን ኣብ 60 ሄክታር ናይ ምትካሉ፣ ከምኡ’ውን ንምርባሕ ኣዕዋፍ ባሕሪ ምቹኣት ኣብ ዝኾኑ 185 ደሴታት 20 ዓሌታት ኣዕዋፍ ባሕሪ ናይ ምርባሕ ውጥን ከምዘሎ ኣነጺሩ።

ምርግጋጽ ተግባራውነት ሕግን ውሕስነት ብቕዓት ምህርቲ ዓሳን፤ ምሕያል ምቍጽጻር ጸጋታት ባሕሪ፤ ምምዕባል ኣፍራዪ ዓቕሚ-ሰብ፤ ምዕዛዝ ዝምድናታት ኣሃዱታትን መሻርኽትን፤ ከምኡ ድማ ምሕያል ኣገልግሎት ወፍሪ ኣብ ጽላት ባሕርን ካልኦትን፣ ናይ ዝመጽእ 5 ዓመታት መደባት ስራሕ ምዃኖም፣ ኣቶ ዓንዶም ብተወሳኺ ኣብሪሁ።

ንስርሓት ጨው ኣመልኪቱ መጽናዕታዊ ወረቐት ዘቕረበ ኣካያዲ ስራሕ ትካል ስርሓት ጨው ኣቶ ነጋሲ ጎይትኦም ድማ፣ ምሕዋስ ኣዮዲን ኣብ ፍርያት ጨው ምጽዋዕ፣ ነቲ ኣብ ህጻናት ዝነበረ 83 ሚእታዊት ጉድለት ኣዮዲን፣ ናብ 23 ሚእታዊት ከምዝወረደ ኣረዲኡ።

ካብ 1993 ክሳብ 2003 ልዕሊ 600 ሽሕ ቶን ጨው ፈርዩ፣ 120 ሽሕ ቶን ንሰደድ ከምዝተላእከ ብምብራህ ድማ፣ ዳግመ-ምሕዳስን ምህናጽን ፋብሪካ፤ ምትእትታው ሓጸብቲ ጨው ማሽናት፤ ምስራሕ 7.5 ቶን ዝጽዕና ብትራክተራት ዝሰሓባ ሓሙሽተ ዓረብያታት፤ ምስልጣን ሰራሕተኛታትን ካልእን፤ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ናጽነት ካብ ዝተሳለጡ ንጥፈታት ምዃኖም ኣነጺሩ።

ጽሬትን ብቕዓትን ጨው ንምምሕያሽ መንግስቲ ብዝገበሮ ወፍሪ፣ ኣብ ሰዓት 80 ቶን ጨው እትሓጽብ ማሽን ኣብ 1995 ብምትካላ ትሕዝቶ ሶድዩም ክሎራይድ ጨው ናብ ልዕሊ 97 ሚእታዊት ክብ ከምዝበለን ኣብ ዕዳጋታት ዓለም ጽቡቕ ተቐባልነት ከምዝረኸበን ብምሕባር፣ ኣቶ ነጋሲ፣ ትካል ስርሓት ጨው ዓሰብ ኣብ 1991 ዘድሊ ጽገናታት ብምግባርን ኣድለይቲ ማሽነሪታት ብምትእትታውን፣ ኣብ ዓመት 150 ሽሕ ቶን ጨው ናይ ምፍራይ ስርሓት የሰላስል ከምዘሎ ገሊጹ።

ሲምፖዝዩማት ምምሕዳር ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪን ሚኒስትሪ ሃብቲ ባሕሪን ብ28 ሚያዝያ ብሓባር ድሕሪ ምኽፋቱ፣ ሲምፖዝዩም ምምሕዳር ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ክሳብ 29 ቀጺሉ ክዛዘም እንከሎ፣ ሲምፖዝዩም ሚኒስትሪ ሃብቲ ባሕሪ ድማ ክሳብ 1 ግንቦት ክቕጽል’ዩ።

******** ኣ.ዜ.ኤ ********

Hirgigo power plant: Project worth over 98 Million...

Cabinet Ministers holds meeting

“Beyond Refugee Crisis and Human Tracking...

Engaging & Understanding the Horn of Africa...

Speech by H. E. Ambassador Hanna Simon, Permanent...

The Board of Directors of the African Development...