July 3, 2011

ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ኣሸራ ዲጋ ትህነጽ ኣላ።

ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ኣሸራ ዲጋ ትህነጽ ኣላ።

ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ኣሸራ – ንኡስ ዞባ ሓጋዝ ዝጸንሐ ጸገም ዝስተ ማይ ህዝብን ጥሪትን ንምፍታሕን መስኖኣዊ ሕርሻ ንምትእትታውን፣ 350 ሽሕ ሜተር ኪዩብ ማይ እትሕዝ ዲጋ ትህነጽ ኣላ።

እታ ብልዕሊ 5 ሚልዮን ናቕፋ ትስራሕ ዘላ ዲጋ ምስ ተዛዘመት፥ ንሸሞንተ ዓድታት ከተስቲን ኣብ ትሕቲኣ ዝርከብ መሬት ከተልምዕን ትጽቢት ከምዘሎ፣ ኣብ ምምሕዳር ዞባ ዓንሰባ ኣወሃሃዲ ፕሮጀክት ከባቢያዊ ልምዓት ኣቶ ክፍላይ ኪዳነ ሓቢሩ።

ካብ ነበርቲ ኣሸራ ኣቶ ገብረቅዱስ እድሪስ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፣ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ጸገም ዝስተ ማይ ከምዝጸንሖም ብምሕባር፣ ምስራሕ ናይ’ታ ዲጋ መስተርሆት ከምዝፈጠረሎም ኣረዲኡ።

ማይ ንምርካብ ንዓሰርተ ኪሎ-ሜተር ይጓዓዙ ከምዝነበሩ፤ በዚ ድማ ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮ ከቢድ ጾር ከምዝነበረን ዝሓበረ ኣቶ ዓብደላ ባልዋይ፣ እታ ኣብ ከባቢኦም ትህነጽ ዘላ ዲጋ፣ ጸገም ዝስተ ማይ ፈቲሓ ሕርሻዊ ንጥፈታት ብዝለዓለ ንኸካይዱ ክትሕግዞም ዘለዎ እምነት ገሊጹ።

ኣብ ምምሕዳር ዞባ ዓንሰባ ኣዋሃሃዲ ፕሮጀክት ከባብያዊ ልምዓት ኣቶ ክፍላይ ኪዳነ ኣብ መወዳእታ፣ እታ ዲጋ ብድበት ንኸይትመልእ ኣብ ልዕሊኣ ከትርታት ይስራሕ ከም ዘሎ ኣብሪሁ።

**** ኣ.ዜ.ኤ

Government of Eritrea sends message of condolences

Southern region 18th regular Assembly meeting

Omhajer-Humera border point re-opened

Senior Eritrean delegation on working visit to...

Eritreans welcome New Year 2019 with enthusiasm

Ambassador Semere Russom presents credentials