May 13, 2011

ኣብ መንጎ ሰሜንን ደቡብን ሱዳን ኣብ ምትሕግጋዝ ዝተሰረተ ጥዑይ ዝምድና ክህሉ ከምዝግባእ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ገሊጹ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ ተለቭዥን ሱዳን ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት፣ ኣብቲ ንልዕሊ 20 ዓመታት ንምእንቲ ሓድነት ሱዳን ዘካየዶ ጻዕሪ ባህጉ ህላወ ስምርቲ ሱዳን’ኳ እንተነበረ፣ ሕጂ’ውን ነዚ ውሁብ ኩነታት ተቐቢልና ኣብ መንጎ ሰሜንን ደቡብን ኣብ ምትሕግጋዝ ዝተሰረተ ጥዑይ ዝምድና ንምርግጋጽ ክንሰርሕ ከምዘሎናን ሱዳውያን ባዕላቶም ከምሰብ ጉዳይ ልዕሊ ኩሉ ክጽዕርሉ ከምዝግባእን ገሊጹ።

ምስ መሰል ርእሰ ውሳነ ህዝቢ ደቡብ ሱዳን ንደናገጽ ኔርና ዝበለ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ምውጋን ገለ ክፋል ሕብረተሰብ ተሪፉ፣ ህዝቢ ደቡብ ኣብ ውሽጢ ስምርቲ ሱዳን ምሉእ መሰሉ ረኺቡ ክነብር ዝነበረና ድሌትና ብሰንኪ ጉጉይ ኣገባብ ኣፈታትሓ ግርጭት ናብ ሓዳስ ሃገረ ደቡብ በጺሕና ስለዘሎና፣ ሕጂ እቲ ቅኑዕ ምርጫ ምስዚ ክውንነት’ዚ ብእወታ ምውሳእ ጥራይ ምዃኑ ኣረዲኡ።

ኣብ ሱዳን ገና ዘይተፈትሑ ጉዳያት ስለዘለዉ ምፍላይ ደቡብ ንህዝቢ ሰሜንን ደቡብን ናብ ምትሕግጋዝ ዝድርኽ፣ ንህዝቢ ደቡብ ንባዕሉ ኣብ ውሽጡ ርግኣትን ናጻ ፖለቲካዊ ምርጫን ዘረጋግጽ ክኸውን ከምዘለዎ ብምምልካት፣ ብስም ፈተውቲ ኢጋድን መሻርኽቲ ኢጋድን እናተባህለ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ሱዳን ዝተፈጸመ ናይ ደገ ምትእትታው ዝተጻወቶ ኣሉታዊ ተራ ገና ከይሃሰሰ ከሎ፣ ጉዳይ ዳርፎር ኣህጉራዊ መልክዕ ምሓዙ ድማ ካልእ ንሱዳን ገጢሙ ዘሎ ብድሆ ብምዃኑ ሱዳናውያን ነዚ ጉዳይ’ዚ ነቒሖም ጉዳዮም ብዘይናይ ደገ ምትእትታው ባዕሎም ክፈትሕዎ ኣዘኻኺሩ።

ቊጠባዊ ምዕባለን ፖለቲካዊ ርግኣትን ኣብ ውሽጢ ርጉእ ከባቢ ክረጋገጽ ስለዝኽእል ኣብ ዞባና ንሓባራዊ ምትሕግጋዝ ምቹእ ባይታ ንምፍጣር ኤርትራ ብቀዳምነት እትሰርሓሉ ጉዳይ ምዃኑ ዝሓበረ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ብዘይ ዞባዊ ምትሕግጋዝን ስኒትን ብዓለም ደረጃ ተራኡ ክጻወት ዝኽእል ኣህጉራዊ ውድብ ክህሉ’ውን ከምዘይክእል ኣብሪሁ።

ብዘይካ’ዚ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብዛዕባ’ቲ ንጸጥታ ዞባና ዝህውኽ ኣብ ከተማ ፖርት-ሱዳንን ከባቢ ሓላይብን ዘጋጠመ ተጻብኦ ብዝምልከት ዝቀረበሉ ሕቶ፣ ሃገራት ንዘለወን ዓቕሚን ጸጋን ኣወሃሂደን ብሓባር ምስ ዘይሰርሓ ግዳይ ናይ ደገ ምትእትታው ከምዝኾና ጠቒሱ፣ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝርከባ ሃገራት ድማ ንሓባራዊ ምትሕግጋዝን ጸጥታን ዞባና ሓቢረን ክሰርሓ፣ ዘለወን ጸጋታት ብናይ ሓባር ወፍሪን ንግዲን ናብ ረብሓ ህዝብታት ዞባና ከውዕልኦ ኣገዳሲ ምዃኑ ብምምልካት፣ እተን ዞባዊ ጽልዋ ዘለወን ሃገራት ተበግሶ ብምውሳድ ድልውነት ምስ ዘርእያ፣ ኤርትራ ምቅሉል ተራ ክትጻወት ከምእትኽእል
ኣረጋጊጹ።

******ኣ.ዜ.ኤ****

Eritrea elected to the UN Human Rights Council

Italian Prime Minister conducts official visit to...

Sustainable Development Goal 16 –...

STATEMENT BY HIS EXCELLENCY MR. OSMAN SALEH...

Meeting of Cabinet Ministers

International Youth Day observed