May 26, 2012

ኣብ መንጎ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኤርትራን ሚኒስትሪ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርትን ምርምርን ሱዳንን ናይ ምትሕግጋዝ ውዕል ተኸቲሙ።

ኣብ መንጎ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኤርትራን ሚኒስትሪ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርትን ምርምርን ሱዳንን ናይ ምትሕግጋዝ ውዕል ተኸቲሙ።

ከም ኣካል ናይ’ቲ ኣብ ሞንጎ መንግስታት ኤርትራን ሱዳንን ኣብ ዝተፈላለየ ጽላታት ዝምዕብል ዘሎ ኣብ ክልተኣዊ ረብሓ ዝተመርኰሰ ሽርክነታዊ ምትሕግጋዝ፣ ኣብ ሞንጎ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኤርትራን ሚኒስትሪ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርትን ስነ-ፍልጠታዊ ምርምርን ሱዳንን፣ ኣብ ምምዕባል ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዘተኰረ ናይ ምትሕግጋዝ ውዕል ተኸቲሙ።

እቲ ብ26 ግንቦት ኣብ ሆቴል ኣስመራ ፓላስ ዝተበጽሐ ሓባራዊ ናይ ምትሕግጋዝ ስምምዕ፣ ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ሚኒስተር ትምህርቲ ኣቶ ሰመረ ርእሶም፣ ብወገን መንግስቲ ሱዳን ድማ ሚኒስተር ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርትን ስነ-ፍልጠታዊ ምርምርን ፕሮፌሰር ኸሚስ ካጆ ኩንዳ ከቲሞምሉ።

እቲ ስምምዕ፣ ኣብ ምድንፋዕን ምዕባይን ብቕዓት ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ፤ ምክያድ ዝተፈላለዩ ስነ-ፍልጠታዊ ምርምራት፤ ቅርጽን ኣቃውማን ስርዓተ-ትምህርቲ፤ ምፍራይ ሞያዊ ዓቕሚ-ሰብ፤ ምትእትታት ዘመናዊ ናውቲ ትምህርትን መሳለጥያታትን፤ ከምኡ’ውን ምልውዋጥ ዕድላት ማህደረ ትምህርትን ተመኲሮን ዘጠቓለለ’ዩ።
ክልቲኦም ሚኒስተራት ንኣገዳስነት ናይ’ቲ ስምምዕ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፣ እቲ ስምምዕ ውጽኢት ናይ’ቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣርእስትታት ከካይድዎ ዝጸንሑ ዘተን ምይይጥን ምዃኑ ጠቒሶም፣ ኣብ ናይ መጻኢ ትምህርታዊ ገስጋስ ክልቲአን ሃገራት ዕዙዝ ኣገዳስነት ክህልዎ ዘለዎም እምነት ገሊጾም።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ብ25 ግንቦት – ሓለፍቲ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ናይ ክልተአን ሃገራት ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ፥ ተመኵሮ ኣሰራርሓ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ፤ ዝርኣዩ ሕጽረታትን ንምፍትሖም ክውሰዱ ዝግብኦም ስጉምትታትን፤ መጻኢ መደባትን ጸጋታትካ ብውሽጣዊ ዓቕምካ ንምምዝማዝ ዘኽእል ካሪክለም ዝተኣታተወሉ ኣገባብን ኣብ ዝብሉ ዛዕባታት ሓሳብ ንሓሳብ ተለዋዊጦም።

ብሚኒስተር ኸሚስ ካጆ ኩንዳ ዝተመርሐ ጉጅለ ሚኒስትሪ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርትን ስነ-ፍልጠታዊ ምርምርን ሱዳን፣ 23 ግንቦት ኣስመራ ምእታውን ኣብ ጽንብል ናጽነት ምስታፉን ይፍለጥ።

*** ኣ.ዜ.ኤ.

President Isaias Afwerki sends message of...

Witness of the most unique & fabulous...

Interview with President Isaias Afwerki: “No...

Eritrean Delegation Statement UNHRC 68th EXCOM...

Women Forum held in Manchester UK

Asmara’s Art Deco Buildings and the World...