November 2, 2011

ኣብ መንጎ መንግስቲ ኤርትራን ኩባንያ ዕደና ዛራን ናብ ዕደና ዘሰጋግር ውዕል ተኸቲሙ።

ኣብ መንጎ መንግስቲ ኤርትራን ናይ ብርኪ ኩባንያ ዕደና ዛራን፣ ካብ ዳህሳስ ናብ ዕደና ዘሰጋግር ውዕል ብ1 ሕዳር ኣብ ኣዳራሽ ደንደን – ኣስመራ ተኸቲሙ።

ነቲ ውዕል፣ ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ሚኒስተር ጸዓትንን ማዕድንን ኣቶ ኣሕመድ ሓጅ ዓሊ፣ ብወገን ኩባንያ ዕደና ዛራ ድማ ኣቦ-መንበር ቦርድ ዳይረክተራት ናይ’ቲ ኩባንያ ሚስተር ቲሞቲ ጎይደር ፈሪሞምዎ።

ሚኒስተር ኣሕመድ ሓጅ ዓሊ ኣብ ዘስምዖ ቃል፣ ኩባንያ ዕደና ቢሻ ናብ ናይ ምዕዳን ንጥፈታት ክሰጋገር እንከሎ፣ ኩባንያ ሳንሪጅ ኣብ መጽናዕቲ፣ ኩባንያ ሳውዝ ቦልደር ድማ ኣብ ምዝዛም ዳህሳስ ከምዝኣተዋ ጠቒሱ፣ እዚ ምስ ኩባንያ ዕደና ዛራ ዝተኸተመ ውዕል፣ ኣብ ጽላት ዕደና ኤርትራ ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣቦ-መንበር ቦርድ ዳይረክተራት ኩባንያ ዕደና ዛራ ቲሞቲ ጎይደር ብወገኑ፣ ሳላ ደገፍ መንግስቲ ኤርትራ እቲ ኩባንያ ኣገዳሲ ስራሓት ምዕማሙ ጠቒሱ፣ ህንጻዊ ስራሓት ኣብ ቀዳሞት ሽድሽተ ኣዋርሕ ናይ 2012 ክሳለጥ ምዃኑ፣ ፍርያት ወርቂ ድማ ኣብ መወዳእታ 2013 ንምጅማር መደብ ከምዘሎ ኣብሪሁ።

ኩባንያ ዕደና ዛራ፣ ብሽርክነት ሃገራዊ ኮርፖረሽን ዕደና ኤርትራን ኣውስትራልያዊ ኩባንያ ዕደና ወርቂ ቻሊስን ይውነን።

***** ኣ.ዜ.ኤ *****

5th YPFDJ Conference in Saudi Arabia concludes

Sixteen years of unbridled violence and defiance

Cabinet of Ministers holds meeting

14th YPFDJ Conference concludes

14th YPFDJ conference in Europe underway

ሓርበኛ ድንጉስ ኣረይ፡ ኣብ መበል 103 ዓመት...