July 10, 2011

ኣብ መስርሕ ህንጸት ሃገር ካብ ዘረጋገጽናዮም ዓበይቲ ዓወታት እቲ ዝበለጸን ዝዓበየን ብርእሰ ምርኮሳ ኣፍራይነት ንምድንፋዕ ቆሪጽና ምንቃድና ምዃኑ ሰሙናዊ ሓተታ ገሊጹ።

ኣብ መስርሕ ህንጸት ሃገር ካብ ዘረጋገጽናዮም ዓበይቲ ዓወታት እቲ ዝበለጸን ዝዓበየን ብርእሰ ምርኮሳ ኣፍራይነት ንምድንፋዕ ቆሪጽና ምንቃድና ምዃኑ ሰሙናዊ ሓተታ ገሊጹ።

ኣብ መስርሕ ህንጸት ሃገር ካብ ዘረጋገጽናዮም ዓበይቲ ዓወታት እቲ ዝበለጸን ዝዓበየን ባህሊ ረዲኤትን ተጸባይነትን ወጊድ ኢልና፣ እምነትና ኣብ ርሃጽናን ዕዮናን ብምንባር፣ ብርእሰ ምርኮሳ ኣፍራይነት ንምድንፋዕ ቆሪጽና ምንቃድና ምዃኑ ሰሙናዊ ዝዳሎ ሓተታ ገሊጹ።
እቲ “ኤርትራ፣ ሃገር ጻዕርን ርእሰ ምርኮሳን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ዝወጸ ሓተታ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ብጥሙር ፕሮግራማትን ሓያል ውዳበን ሰብኣዊን ንዋታዊን ዓቕምታትና ኣራቢሕና ሳላ ዝሰራሕና፤ ኣብ መዳይ ምርግጋጽ ውሕስነት መግቢ ቀሊል ዘይኮነ ገስጋስ ክምዝገብ ከምእተኻእለ ኣነጺሩ።

ብባህርያውን ሰብ-ሰርሖን ጸገማት፣ ሕሱም ዋሕዲ መግቢ ኣብ ዘጥቅዖ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ እትርከብ ኤርትራ፣ ሃገራት ዞባና ዓመት መጸ ንረዲኤት ክጣርዓ እንከለዋ፤ ዘሰክፍ ስእነት መግቢ ከየጋጠማ ትሓልፎ ዘለ ድማ ሳላ ህርኩትና ህዝባን መንግስታን ከምዝኾነ እቲ ሓተታ ኣረዲኡ።

ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ተሃኒጾም ዝርከቡ ዓበይቲ፣ ማእከሎትን ንኣሽቱን ዲጋታት፣ ራህያታትን መእለዪ ወሓይዛትን፤ ኣብ ምሩጽ ከባቢታት ዝተሰላሰሉ መሬት ናይ ምጽፋሕን ምምድማድን ዕዮታትን፣ መስኖኣዊ ትሕተ-ቅርጺ ናይ ምውዳድ ዕማማትን ድማ ንሰፊሕን ዘመናውን ሕርሻዊ ንጥፈት ባብ ኣርሒዮም ምህላዎም ዘመልከተ’ቲ ሓተታ፣ ብዓንተቦኡ ህርኵት ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ዕድል’ዚ ተጠቂሙ ብርሃጹ መነባብሮኦ ከመሓይሽ ከም ንህቢ ይወናጨፍ ከምዘሎን ትካላት መንግስቲን ግንባርን ከኣ መራሕቲ ለውጢን ምዕባለን ኮይኖም ዕላማ ምርግጋጽ ውሕስነት መግቢ ንምዕዋት ወሳኒ ተራ ይጻወቱ ከምዘለዉ ኣስሚርሉ።

እምነትካ ኣብ ርሃጽካን ዕዮኻን ምንባር፣ ውሽጣዊ ዓቕሚን ክእለትን ከተማዕብል ዘኽእል ቀንዲ ምስጥር ስልጣነ ምዃኑ ዝጠቐሰ’ቲ ሓተታ፣ ዛጊት ካብ ዝዓመምናዮ ስራሕ ቀሲምናዮ ዘለና ፍልጠት፤ ደሊብናዮ ዘለና ናይ ምግባር ዓቕሚ፤ ኣማዕቢልናዮ ዘለና ማእቶታዊ ውዳበን ነተኣታትዎ ዘለና ዘመናዊ መሳርሒታትን፤ ከም ሃገርን ህዝብን ኣብ ገዛእ ርእስናን ጸጋታትናን ተኣማሚንና ብዕውት መኣዝን እናመረሽና፤ ነዊሕ ኣብ ዘይኮነ ግዜ ራእይና ክንጭብጥ ዘኽእለና ምዃኑ ኣነጺሩ።

ኣብ መወዳእታ ድማ እቲ ሰሙናዊ ዝዳሎ ሓተታ፣ ክራማት ዝልግሰልካ ማይ ኣብ ሰፊሕ ሕርሻዊ መዓላ ከተውዕሎ፣ ካብኡ ሓሊፍካ’ውን ኣብ ከዘንቲ ማይ ትሕተ-ቕርጺታት ኣዋህሊልካ ንምሉእ ዓመት ክትጥቀመሉ ምሕላን ግድነት ምዃኑ ብምንጻር፣ ብቐደሙ ጻዕራም ህዝብና ብድሓን መጠንን ዝርግሐን ጀሚሩ ዘሎ ዝናብ ክራማት ናብ ረብሓኡ ንምዓል ከም ወትሩ ሓርኮትኮት ኣብ ምባል ከምዝርከብ ገሊጹ።

*****ኣ.ዜ.ኤ*****

Eritrea participate at The Red Sea nations...

Switzerland partners with UNDP to support Eritrea...

العربية للطيران تضيف “ارتيريا” إلى...

Foreign Minister Outlines Eritrea’s Achievement...

ENT Diagnostic and Operation Centre Inaugurates

“Eritrea’s Anti-Corruption Experience” ...