June 30, 2011

ኣብ መስመር መንገዲ ባቡር ጅቡቲ ኣብ ባቡር ዝተፈንጀረ ቦምብ፣ ብስርዓት ወያነ ከምእተገብረ ዝእምት ሓበሬታ ተዘርጊሑ።

ኣብ መስመር መንገዲ ባቡር ጅቡቲ ኣብ ባቡር ዝተፈንጀረ ቦምብ፣ ብስርዓት ወያነ ከምእተገብረ ዝእምት ሓበሬታ ተዘርጊሑ።

ኣብ መጋቢት 12 ኣብ መስመር መንገዲ-ባቡር ከተማ ጅቡቲ ኣብ ባቡር ዝተፈንጀረ ቦምብ፣ ብስርዓት ወያነ ከምእተገብረ ዝእምት ሓበሬታ፣ ዊኪሊክስ ኣብ ዝዝርገሖ ሰነድ ገሊጹ።

ብመሰረት ሓበሬታ ዊኪሊክስ፣ እቲ ነታጒ ብግዜ ዝተጻወደ ኮይኑ፣ ዕላማኡ ናይ ኢትዮጵያ ተቓወምቲ ንምውንጃል ከምዝነበረ፤ ኣቓልቦ ዓበይቲ ሃገራት ንምስሓብ ድማ፣ እቲ ባቡር ኣብ ከባቢ ወተሃደራዊ ሆስፒታል ፈረንሳ ምስ በጽሐ ከምዝትኰስ ከምእተገብረ፣ እቲ ሰነዳት ዊኪሊክስ ሓቢሩ።

ብመሰረት ድሒሩ ካብ ዊኪሊክስ ዝተወሰኸ ሓበሬታ፣ ስርዓት ወያነ ንመጓዓዝያ ባቡር ጅቡቲ ብግብረ-ሽበራዊ መጥቃዕቲ ደው ከብል ዝወሰነሉ ምኽንያታት ክልተ ኮይኑ፣ እቲ ቀዳማይ – ብወያነ ዝዋፈራ ናይ ጽዕነት መካይን ስራሕ ስለዝሰኣና፤ ካልኣይ ድማ ናይ’ቲ ካብ ኢትዮጵያ ዝለኣኽ ጫት ዋጋ ክብ ንምባል ዝዓለመ’ዩ።

ስርዓት ወያነ፣ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዘሎ ናይ ህዝቢ ተቓውሞ ብግብረ-ሽበራ ንምጥቃን፣ ኣብ ማእከል ከተማ ኣዲስ-ኣበባ ብዝሒ ህዝቢ ኣብ ዝንቀሳቐሰሉ ከባቢታት ከይተረፈ ነተጕቲ ከምዘባርዕ ብብዙሓት ምንጭታት ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።
ከምዚ ዝኣመሰለ ባህሪ ዘለዎ ስርዓት፣ ኣብ’ዚ ቅንያት’ዚ ብስም ዓቃብ ሰላም ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ምምዳቡ፣ ምስ “ንዝብኢ ከብቲ ክሕሉ ተልእኾ ምሃብ” ከም ዝመሳሰል ተዓዘብቲ ገሊጾም።

ብዘይካ’ዚ፣ ስርዓት ወያነ ናይ ስርዓታት ምዕራብ ቈላሕታ ንምርካብ፣ “ኣንጻር ግብረ-ሽበራ እቃለስ’የ” ንምባል ብዙሕ ፖለቲካዊ ኣመንዝራነት ከም ዘዘውትር ይሕበር።

******* ኣ.ዜ.ኤ ******

Keynote Address by President Isaias Afwerki 29th...

Messages of congratulations

Eritrea’s delegation met with First Vice...

Contribution to bolster National Fund

Announcement from the Ministry of Health