June 4, 2011

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝነብሩ ኤርትራውያን በዓል ናጽነት ብልዑል ማዕርግ ጸንቢሎም።

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝነብሩ ኤርትራውያን በዓል
ናጽነት ብልዑል ማዕርግ ጸንቢሎም።

ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝነብሩ ኤርትራውያን፣ መበል 20 ዓመት በዓል ናጽነት ኤርትራ፣ “ውሁድ ቅኒት… ንሃገራዊ ክብረት” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ብልዑል ድምቀት ከምዝጸንበልዎ ከካብ ቦታኡ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ብመሰረት ካብ’ቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ፣ ኣብ ኦክላንድ፣ ሎስኣንጀለስ፣ ኦረንጅን ሪቨርሳይድን ዝቕመጡ ኤርትራውያን ኣብ ዘካየድዎ ብዝተፈላለየ መደባት ዝማዕረገ ጽንብል፣ ድልውነቶም ንዝሓየለ መኸተ ደጊሞም ኣረጋጊጾም።

ኤርትራውያን ነበርቲ ሃገረ ቐጠር’ውን ብተመሳሳሊ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፣ ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህ.ግ.ደ.ፍ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፣ ከምኡ’ውን ብርክት ዝበሉ ፈተውቲን ኣዕሩኽን ኤርትራን ህዝባን ጋዜጠኛታትን ዝተሳተፍዎ ምዕሩግ ጽንብል ኣካዪዶም።

ኣምባሳደር ዓሊ ኢብራሂም ኣሕመድ ኣብ ዘስምዖ ቃል፣ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ዜጋታት – ሓድነቶም ዓቂቦምን መሳርዖም ኣስሚሮምን፣ ከም ወትሩ ውዲታት ጸላእቲን ተጻባእትን ኣብ ምምካትን ሃገራዊ መደባት ኣብ ምዕዋትን ኣበርክቶኦም ከዕዝዙ ከምዝግባእ ኣገንዚቡ።

ኣቦ-መንበር ማሕበረኮም ኤርትራውያን ኣብ ሃገረ ቐጠር ብስም ማሕበረኮም ኣብ ዘቕረቦ መደረ፣ ኣብ መላእ ሃገር ንዝሰላሰል ዘሎ መደባት ልምዓት ዘለዎ ኣድናቖት ድሕሪ ምግላጽ፣ “ብመስዋእቲ ብሉጻት ዜጋታት ዝመጸት ናጽነት ንምውሓስ፣ ኤርትራውያን ነበርቲ ቐጠር፣ ኣብ ጐኒ መንግስትናን ህዝብናን ኣሎና” ክብል ኣረጋጊጹ።

ተሳተፍቲ ብውህደት ህዝቢ፣ መንግስትን ሓይልታት ምክልኻልን ንዝሰላሰል ዘሎ ልምዓታዊ መደባት ዘለዎም ኣድናቖት ብምግላጽ፣ ሓድነቶም ዓቂቦም ሉኣላውነት ሃገር ንምውሓስን ሃገር ንምብልጻግን ካብኣቶም ዝሕተት ከምዘማልኡ ደጊሞም ኣረጋጊጾም።

***** ኣ.ዜ.ኤ *****

Ambassador Yohannes holds talks with South Sudan...

Minister Osman Saleh holds talks with Luxemburg...

President of Guinea arrives in Massawa

Official commemoration of Operation Fenkil

President Isaias met and held talks with Mr. Neven...

President Isaias Afwerki Meets Abu Dhabi Crown...