June 25, 2012

ኣብ ሓምሻይ ሃገራዊ ፈስቲቫል መንእሰያት ልዕሊ 30 ሽሕ መንእሰያት ክሳተፉ ትጽቢት ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ኣብ ሓምሻይ ሃገራዊ ፈስቲቫል መንእሰያት ልዕሊ 30 ሽሕ መንእሰያት ክሳተፉ ትጽቢት ከምዘሎ ተሓቢሩ።

“ኣርሒቕና ንጥምት ዓጸፋ ንስጉም” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ካብ 13 ክሳብ 15 ሓምለ ኣብ ሳዋ ዝካየድ ሓምሻይ ሃገራዊ ፈስቲቫል መንእሰያት፣ ካብ ውሽጥን ወጻኢ ዝመጹ ልዕሊ 30 ሽሕ መንእሰያት ክሳተፉ ትጽቢት ከምዘሎ፣ ኣቦ-መንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ናይ’ቲ ፈስቲቫል ኣቶ ኢብራሂም ሓሰን ሓቢሩ።

ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣቶ ኢብራሂም፣ ኣብዚ ሃገራዊ ምትእኽኻብ መንእሰያት – ካብ ማእከላይ ምብራቕ፣ ኤውሮጳ፣ ኣመሪካን ካልእ ከባቢታት ዓለምን ዝመጹ መንእሰያት ክሳተፉ ምዃኖም፤ ድሮ’ውን ብርክት ዝበሉ ናብ ሃገሮም ኣትዮም ከምዘለው ኣብሪሁ።

“ሓምሻይ ሃገራዊ ፈስቲቫል መንእሰያት ንምድማቕ ክካየድ ዝጸንሐ ኩሉ መዳያዊ ምድላዋት፣ ኣብ ናይ ምጽፋፍ ደረጅኡ በጺሑ’ሎ” ዝበለ ኣቶ ኢብራሂም፣ ብኹሉ መለክዒታት ካብ ናይ ዝሓለፈ ዓመታት ብትሕዝቶን እንግዶትን ዝሓሸን ዝበለጸን ንምግባሩ ዘኽእል ምድላዋት ይግበር ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ብመሰረት ሓበሬታ ኣቶ ኢብራሂም፣ ዕላማ ናይ’ቲ ፈስቲቫል፣ ኤርትራውያን መንእሰያት ተመኲሮ ዝለዋወጡሉ፣ ንቕሓቶም ዘበርኹሉ፣ ፈጠራውን ባህላውን ዓቕምታቶም ዝፍትሹሉን ዘንጸባርቑሉን ባይታ ምጥጣሕ ምዃኑ ጠቒሱ፣ ባህላውን ያታውን ንጥፈታት፣ ምህዞን ሰንዓን፣ ከምኡ’ውን ሰሚናራትን ኣስተምህሮታትን ተሰሪዖም ከምዘለዉ ተፈሊጡ።

ኣብ መወዳእታ ኣቶ ኢብራሂም፣ መጻረዪ ስፖርታዊ ውድድራት ሓምሻይ ሃገራዊ ፈስቲቫል መንእሰያት፣ ኣቐዲሙ ኣብ ከተማታት ከረን፣ ኣስመራን መንደፈራን ከምእተኻየደ፣ እተን ዝሓለፋ ጋንታታት ድማ ውድድራተን ኣብ ሳዋ ከካይዳ ምዃነን ጠቒሱ፣ መኣዲ ስነ-ጥበብ፣ ጉያ ፍርቂ ማራቶን፣ ሙዚቃዊ ምርኢትን ካልእ ባህላዊ መደባትን ኣብ ኣስመራ ክካየድ ምዃኑ ብምምልካት፣ ነዚ ሃገራዊ ፈስቲቫል ንምድማቕ ኣበርክቶ ንዝገበሩ ዘለዉ ትካላትን ኣካላት መንግስቲን መጒሱ።

*** ኣ.ዜ.ኤ. ***

President Isaias Afwerki sends message of...

Witness of the most unique & fabulous...

Interview with President Isaias Afwerki: “No...

Eritrean Delegation Statement UNHRC 68th EXCOM...

Women Forum held in Manchester UK

Asmara’s Art Deco Buildings and the World...