July 7, 2012

ኣብ ሓሙሻይ ሃገራዊ ፈስቲቫል መንእሰያት ንምስታፍ፣ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ መንእሰያት ናብ ሃገሮም ይኣትው ኣለው።

ኣብ ሓሙሻይ ሃገራዊ ፈስቲቫል መንእሰያት ንምስታፍ፣ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ መንእሰያት ናብ ሃገሮም ይኣትው ኣለው።

ካብ 13 ክሳብ 15 ሓምለ ሳዋ ኣብ እተአንግዶ ሓሙሻይ ሃገራዊ ፈስቲቫል መንእሰያት ንምስታፍ፣ ብኣሽሓት ዝቚጸሩ መንእሰያት ናብ ሃገሮም ይኣትው ኣለው።

ኣብ’ዚ ሳልስቲ ጥራይ ብመገዲ ኣየር ኤርትራ፣ ናስ ኣየር፣ የመን፣ ግብጺን ሉፍታንዛን ኣስታት 1,200 መንእሰያት ከምዝኣተዉ፣ ካብ ኮሚቴ ናይቲ ፈስቲቫል ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ፣ ኣቐዲሞም ካብ ኤውሮጳ፣ ኣመሪካ፣ ማእከላይ ምብራቕን ካልኦት ሃገራትን ብኣሽሓት ዝቝጸሩ መንእሰያት ናብ ሃገሮም ከምዝኣተዉ፣ ድሮ’ውን መብዛሕትኦም ናብ ሳዋ ንምውራድ ዘድሊ ምድላዋቶም ከምዘጻፈፉ ክፍለጥ እንከሎ፣ እቲ ዋሕዚ ክሳብ 11 ሓምለ ክቕጽል ትጽቢት ኣሎ።

እቶም መንእሰያት ንኤሪና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፣ ኣብ’ታ ኣብ ህንጸት ኤርትራዊ መንእሰይ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ትገብር ዘላ ሳዋ ዝካየድ ፈስቲቫል ብኣካል ክሳተፉ ምብቅዖም ሓበን ከምዝስምዖም ገሊጾም።

ካብ ሽወደን፣ ኣመሪካን ሆላንድን ዝመጹ መንእሰያት ናትናኤል ኣልኣዛር፣ ናጽነት ሰመረን ናትናኤል መስፍንን ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፣ ነዚ ፈስቲቫል’ዚ ካብ ነዊሕ ኣትሒዞም ብልዑል ሃንቀውታ ክጽበይዎ ከምዝጸንሑ ብምሕባር፣ ካብ ወጻኢን ውሽጢ ሃገርን ምስ ዝመጹ መንእሰያት ሓሳብ ንሓሳብ ብምልውዋጥ ሃገራዊ ንቕሓቶም ከበርኹ ትጽቢት ከምዘለዎም ኣረዲኦም።

ካብ ኣመሪካን ሆላንድን ዝመጹ መንእሰያት ንብረት ግርማይ፣ ዮሴፍ ሚኪኤልን ቴድሮስ ሰለሙንን ድማ፣ ሃገራዊ ውራይ ንምዅላዕን ንምድማቕን ከምዝመጹ ጠቒሶም፣ ኣብ ውሽጢን ወጻኢን ዝነብር መንእሰይ ኣብ ሳዋ ተኣኪቡ ብሓደ መንፈስ ተመኵሮታቱ ክለዋወጥ ምርኣይ ፍሉይነት ከምዘለዎ ገሊጾም።

ኣብዚ ብዝተፈላለየ መደባት ን ሳልስቲ ዝቕጽል ሃገራዊ ፈስቲቫል መንእሰያት፣ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝተወከሉ ልዕሊ 30 ሽሕ መንእሰያት ክሳተፉ ትጽቢት ይግበር።

*** ኣ.ዜ.ኤ. ***

Eritrea participate at The Red Sea nations...

Switzerland partners with UNDP to support Eritrea...

العربية للطيران تضيف “ارتيريا” إلى...

Foreign Minister Outlines Eritrea’s Achievement...

ENT Diagnostic and Operation Centre Inaugurates

“Eritrea’s Anti-Corruption Experience” ...