January 10, 2012

ኣብ ልዕሊ ፈነወ ሳተላይት ኤርትራ ዝግበር ዘሎ ዕፈና። ምንጩ ካብ ኢትዮጵያ ምዃኑ ተረጋጊጹ፣

ኣብ ልዕሊ ፈነወ ሳተላይት ኤርትራ ዝግበር ዘሎ ዕፈና። ምንጩ ካብ ኢትዮጵያ ምዃኑ ተረጋጊጹ፣

ኣብ ልዕሊ ፈነወ ሳተላይት ኤርትራ ዝግበር ዘሎ ዕፈና። ምንጩ ካብ ኢትዮጵያ ምዃኑ ከምዘረጋገጸን እዚ ዘይሕጋዊ ተግባር ደው ክብል ንስርዓት ኣዲስ-ኣበባ ከምዝሓበረን። ኣብ ሪያድ ዝመደበሩ ውድብ ኣራብ ሳተላይት ኮሚኒኬሽን ማለት ኣራብ-ሳት ሓቢሩ፣

ምስዚ ዜና ብምትእስሳር። ኣቶ ኣስመላሽ ኣብርሃ – ዳይረክተር ጀነራል ኣገልግሎት ተለቪዥን ኤርትራ ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ። ከም መቐጸልታ ናይ’ቲ ካብ ኤርትራ ዝዝርጋሕ ሓበሬታ ደው ናይ ምባል ተጻባኢ ፖሊሲኡ። ስርዓት ወያነ ብደገፍ ገለ ሃገራት። ናይ ዕፈናን ምትእትታውን ተግባራት የካይድ ምህላዉ ገሊጹ፣

ኣቶ ኣስመላሽ ኣብርሃ ኣብ መግለጺኡ። ኣራብ-ሳት ብመሰረት’ቲ ምስ ሚኒስትሪ ዜና ዝገበሮ ሕጋዊ ውዕል። መንግስቲ ኤርትራ ከቢድ ወጻኢታት ንዝገበረሉ ፈነወ ሳትላይት። ኣገልግሎቱ ከረጋግጽ ዝግደድ ትካላውን ሕጋውን ሰብነት ስለዝኾነ። ኣብ ልዕሊ’ቲ ዘይሕጋዊ ተግባራት ዘካይድ ዘሎ ስርዓት ኣዲስ-ኣበባ ዝግባእ ስጉምቲ ክወስድ ኣዘኻኺሩ፣

ኣቶ ኣስመላሽ ኣብርሃ ኣብ መወዳእታ። “ከምዚ ዓይነት ናይ ኣየር ሽፍትነት ዘካይዱ ስርዓታት። እቶም ንዝፍነዉ ሓቅታት ፊተ-ፊት ክጥምቱ ብቕዓት ዘይብሎም ስርዓታት’ዮም” ክብል ኣነጺሩ፣

******** ኣ.ዜ.ኤ *******

Ethiopian Airlines resumes flight to Asmara

President Isaias concludes official visit to...

Speech delivered by President Isaias Afwerki at...

Eritrea reopens embassy in Addis Ababa in fresh...

President Isaias arrives in Addis Ababa

State Lunch in honor of President Isaias