December 11, 2011

ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተወስደ ካልኣይ እገዳ፣ ንምዕባለን ቍጠባዊ ዕብየትን ኤርትራ ዘነጻጸረ ምዃኑ፣ ፕራቭዳ ዝተባህለ ዝዓበየ ጋዜጣ ሩስያ ገሊጹ።

ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተወስደ ካልኣይ እገዳ፣ ኣንጻር’ታ ኣብ ዓለም ሓንቲ ካብተን ዝለዓለ ቍጠባዊ ዕብየት ከምዘግባ ምዃነን ዝተነግረለን ሃገራት ዝኾነት ኤርትራን ቍጠባዊ ዕብየታን ዘነጻጸረ ምዃኑ፣ ፕራቭዳ ዝተባህለ ዝዓበየ ናይ ሩስያ ጋዜጣ ገሊጹ።

እቲ “ብኸምዚ ኣገባብ እንተቐጺሉ ባይቶ ጸጥታ፣ ናብ ባይቶ ዘይጸጥታ ኪቕየር’ዩ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ዝተጻሕፈ ሰፊሕ ዜናዊ ትንታነ፣ ኤርትራ ቍጠባዊ ዕብየታ ዝለዓለ ተባሂሉ ኣብ ዓለም ይግለጸሉ ኣብ ዘሎ እዋን እዚ እገዳ ብመንገዲ ኣመሪካ ምምጽኡ፣ ንኣሰራርሓ ዋሽንግተን ንዝፈልጥ ዘገርም ከምዘይኮነ ሓቢሩ።

“መብጽዓ መብጽዓ’ዩ”፣ ሰብ ጸቢብ ረብሓ “ንኤርትራ ክነዳኽመልኩም ኢና” ኢሎም መብጽዓ ዝገበሩለን ሃገራት ብምህላወን እዚ ዘይሕጋዊ ውሳኔ ተወሲዱ” ዝበለ ሩስያዊ ጋዜጣ ፕራቭዳ፣ “እቲ ብይን ትሕዝቶኡ ብሓያል ጻዕሪ ኤርትራውያን ስለዝተቐየረ፣ ከምቲ ዘንቀዶ ዘይኮነ…ኣስናን ዘይብሉ ብይን’ዩ” ክብል ጽሒፉ።

እቲ ክሲ፣ ኤርትራ ንኣሸባብ ትሕግዝ’ያ” ዝብል’ኳ እንተኾነ፣ ዊኪሊክስ ግን ባዕሉ ምምሕዳር ኣመሪካ ነዚ ክሲ’ዚ ከምዘይኣምነሉ ኣቃሊዑ ምንባሩ ዝገለጸ ጋዜጣ ፕራቭዳ፣ ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ዳይረክተር ጠረጴዛ ኣፍሪቃ ዝነበረ ዶናልድ ያማሞቶ ናብ ኣሕሉቕቱ ኣብ ዝለኣኾ ደብዳቤ፥ “ብመሰረት ዝገበርናዮ መጽናዕቲ፣ ኤርትራ ንሶማልሓገዝ ትገብር’ያ ዝበሃል ወረ፣ ሓቅነት የብሉን” ክብል ኣብ 2007 ገሊጹ ምንባሩ ዘኪሩ።

እቲ ጋዜጣ ብምቕጻል፣ ነዚ ክሲ’ዚ ከጻሪ ዝቘመ ኮሚቴ ብመንገዲ ኣምባሳደር ዱሙሳኒ ኩማሌ፣ “ኣብ ሶማል ዝንቀሳቐስ ዘሎ ኣጽዋር ብመንገዲ ኢትዮጵያ ዝውሕዝ ዘሎ እምበር ዝኾነ ናይ ኤርትራ ኢድ የብሉን” ክብል ንሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ ምንባሩ ኣረጋጊጹ።

“ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ብሪጣንያን ኣብ ታንዛንያ ካብ ዘሎ ናይ ወርቂ ማዕድን እቲ 95% ስለዝወስድኦ፣ ታንዛንያ – እታ ዋና’ቲ መሬት 5% እያ እትወስድ። እዚ ናይ ኤርትራ ግን ዋንነቱ ንሃገራት ኣፍሪቃ ዝቐንዕ ኣገባብ ስለዝኾነ ንምዝመዝአን መንገዲ ዝኸልእ ስለዝኾነ፣ ኩሉ ጻዕረን ኣንጻር ማዕድን ኤርትራ ዘነጻጸረ’ዩ” ዝበለ ፕራቭዳ፣ ሃገራት ምዕራብ ዕደና ንሃገራት ኣፍሪቃ መርገም እምበር ምርቓ ኪኾነን ከምዘይደልያ ገሊጹ።

****** ኣ.ዜ.ኤ ******

President Isaias met and held talks with Russian...

Joint Press Statement following the visit by the...

Eritrea elected to the UN Human Rights Council

Italian Prime Minister conducts official visit to...

Sustainable Development Goal 16 –...

STATEMENT BY HIS EXCELLENCY MR. OSMAN SALEH...