March 17, 2014

ኣብ ልዕሊ ኤርትራ “እገዳ” ንምውሳን ዝተፈጸመ ዓሎቕ ዕርቃኑ ስለዝወጸን ዝተበለለን ኣብ ወያነን ኣሳሰይቱን ከቢድ ተርባጽ ፈጢሩ ምህላዉ ተቓሊዑ፣

ኣብ ልዕሊ ኤርትራ “እገዳ” ንምውሳን ዝተፈጸመ ዓሎቕ ዕርቃኑ ስለዝወጸን ዝተበለለን  ኣብ ወያነን ኣሳሰይቱን
ከቢድ ተርባጽ ፈጢሩ ምህላዉ ተቓሊዑ፣

ኣብ ልዕሊ ኤርትራ “እገዳ” ንምውሳን ዝተፈጸመ ዓሎቕ ዕርቃኑ ስለዝወጸን ዝተበለለን  ኣብ ወያነን ኣሳሰይቱን ከቢድ ተርባጽ ፈጢሩ ምህላዉ ተቓሊዑ፣ኣብ ልዕሊ ኤርትራ “እገዳ” ንምውሳን ዝተፈጸመ ዓሎቕ ዕርቃኑ እናወጸን እናተበለለን፡ ከም ውጽኢቱ “እገዳ” ናይ ምልዓል ቃና እናለዓለ ምምጽኡ፡ ኣብ ወያነን ኣሳሰይቱን ከቢድ ተርባጽ ፈጢሩ ከምዘሎ ተቓሊዑ፣

ቤት-ጽሕፈት ሚኒስተር ዲኤታ ወያነ፡ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ናብ ኩሎም ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ሚሺናት ኣብ ዝሰደዶ ዘዋሪ መልእኽትን ናይ ስራሕ መምርሒን፡ “ኤርትራ፡ኣብ ልዕሊኣ ተነቢሩ ዘሎ እገዳ ንምልዓል” ወይ ስኒ ዘይብሉ ንምግባሩ፡ ኣብ ዝተፋላለየ ሃገራት እናተንቀሳቐሰት እተካይዶ ዘላ ዲፕሎማሲያዊ ስራሕ ክትዕወተሉ እንተኽኢላ፡ መዘዙ ከቢድ ከምዝኸውን” ብምጥንቃቕ፡ ናይ ኤርትራ ዕላማ ንምፍሻልን እቲ “እገዳ” ጸኒዑ ዝያዳ ግብራዊ ዝኾነሉ ኩነታት ንምፍጣርን ኩሎም ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ልኡኻት ኣበርቲዖም ክንቀሳቐሱ ጸዊዑ፣

ውሽጣዊ ሰነዳት ወያነ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ኬንያን ሱዳንን ዘካየዶ ዑደት፡ ሓለፍቲ ዝተፈላለዩ ኣካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣስመራ ምብጽሖም፡ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ፓሪስ ዘካየዶ ምብጻሕን ምስ ተቖጻጻሪ ጉጅለን ኮሚቴ እገዳን ዘካየዶ ርክባትን፡ ኤርትራ ኣብ ጀኔቭ ኣኼባ UPR ዝረኸበቶ ደገፍ፡ ትኩረት ክወሃቦ ዝግባእ ጉዳያት ምዃኑ ብምምልካት፡ ብኣጠቓላሊ ኣብ ልዕሊ’ቲ “እገዳ” ኣሉታዊ ኣመለኻኽታ እናዓበየ ምምጽኡ፡ ንኤርትራ ምቹእ ኩነታት ክፈጥረላ ዝኽእል ሓደገኛ ኣንፈት ምዃኑ ኣስሚሩሉ፣

ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝሓለፈ ብቁጽሪ 1907ን 2023ን ዝፍለጡ ክልተ ብይናት “እገዳ”፡ ብቐለም ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝተሰናድኡ ምዃኖም ሓድሽ ሓበሬታ’ኳ እንተዘይኮነ፡ ውሽጣዊ ሰነዳት ወያነ፡ ነዚ ሓቂ’ዚ እውን ደጊሙ ኣረጋጊጽዎ ኣሎ፣ እቲ ሰነድ፡ መልእኽቱ ኣብ ምጥቕላል፡ “ነቲ ርሳስ ሒዛቶ ዘላ ሃገር ዩናይትን ስቴትስ ስለዝኾነት፡ ንሳ ንመርገጺኣ ክሳብ ዘይቀየረት፡ እገዳ ናይ ምልዓል ሓደጋ ክህሉ ኣይኮነን፡ የግዳስ ስኒ ዘይብሉ ክኸውንን እናተባሕጎገ ክኸይድን ዘሎ ዕድል ዕጽው ኣይኮነን፡ ነዚ ንምክልኻል ድማ’ዩ ብወገንና ሓያል ጻዕሪ ክካየድ ዘለዎ” ብምባል፡ ንውጥን ወያነን ኣሳሳይቱን ኣነጺሩ ኣቕሪብዎ ኣሎ፣ ተዓዘብቲ ምሉእ ስእሊ ምእንቲ ክወስዱ፡ ሚኒስትሪ ዜና፡ እቲ ሰነዳት ከምዘለዎ ብማዕከናት ዜና ክዝርግሖ ምዃኑ የፍልጥ፣

****ኣ.ዜ.ኤ****

President Isaias Afwerki sends message of...

Witness of the most unique & fabulous...

Interview with President Isaias Afwerki: “No...

Eritrean Delegation Statement UNHRC 68th EXCOM...

Women Forum held in Manchester UK

Asmara’s Art Deco Buildings and the World...