August 31, 2012

ኣብ’ዛ ብነዊሕ ኲናት ዝዓነወት ሃገር፣ ዘላቒ ቊጠባዊ ዕብየት ዘረጋግጽ ድልዱል ቊጠባዊ መሰረት ምንጻፍ፣ ኣዚዩ ከቢድ ብድሆ ምንባሩ ሰሙናዊ ሓተታ ገሊጹ።

ኣብ’ዛ ብነዊሕ ኲናት ዝዓነወት ሃገር፣ ዘላቒ ቊጠባዊ ዕብየት ዘረጋግጽ ድልዱል ቊጠባዊ መሰረት ምንጻፍ፣ ኣዚዩ ከቢድ ብድሆ ምንባሩ ሰሙናዊ ሓተታ ገሊጹ።

ኣብ’ዛ ብነዊሕ ኲናት ዝዓነወትን ሩፍታ ዘይህብ ግጭታትን ተጻብኦን ዝሓለፈትን ሃገር፣ ዘላቒ ቊጠባዊ ዕብየት ዘረጋግጽ ድልዱል ቊጠባዊ መሰረት ምንጻፍን ውሕስነት መግቢ ዘጨብጥ ሓያል ሃገራዊ ቊጠባ ምህናጽን ኣዚዩ ከቢድ ብድሆ ምንባሩ፣ ሰሙናዊ ሓተታ ገሊጹ።

እቲ “ንኣድማዒ ቊጠባዊ ልምዓትን ዕብየትን” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተዳለወ ሰሙናዊ ሓታተ፣ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ሃገራዊ ልምዓትን ቊጠባዊ ሓርነትን ንምርግጋጽ ሰፊሕ ዝርግሐ መስመራት፣ እናዓበየ ዝኸይድ እኹል ቀረብ ማይ፣ ብቑዑን ስሉጥን መጓዓዝያን ርኽክብን፣ ኣድማዕቲ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት፣ ዕብየት ካልኦት ጽላታት ምስናይ ፖሊሲታቶምን መቓንን ሰባዊን ቴክኖሎጂካዊን ጸጋታቶምን ብከቢድ ክጸዓረሎም ምጽንሑ ብምጥቃስ፣ ዛጊት ምቕሉል ዕማም ተሳሊጡ ከምዘሎ ኣነጺሩ።

ብ27ን 28ን ነሓሰ “ልምዓት ህዝቢ፣ ብህዝቢ ንህዝቢ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ኣብ ወፍሪ ቊጠባዊ ሓርነትን ራህዋን ቅሳነትን ኤርትራ ሰፊሕን ኣድማዕን ሱታፌ ዜጋታት ንምጥጣሕ ንዝተቓንዐ ዋዕላ ቍጠባዊ ወፍሪ ኣብ ኤርትራ ብምምልካት እቲ ሰሙናዊ ሓተታ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዘስመዖ መኽፈቲ ቃል፣ ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ኩሎም’ቶም ድልዱል መሰረት ንምንጻፍ ዝወፈርናዮም ዓውዲታት፣ ብተለካዒ ኣሃዛዊ መስፈር ምስ ዝግምገሙ፣ ብዘይምግናንን ምንያትን ዛጊት ኣሳሊጥናዮ ዘለና ምቕሉል ምዃኑ፤ “ናብ’ቲ ክንበጽሖ እንደሊ ብዝያዳ ፍጥነት ንምግስጋስ ድማ፣ መርሓ ጐደናን ኮምፓስናን ዳግም ምትዕርራይ ኣገዳሲ’ዩ” ክብል ምግላጹ፣ ንዘሳለጥናዮ ዕማምን ንዝተርፈና ጕዕዞን ብንጹር ዘርኢ ከምዝኾነ ኣብሪሁ።

ህዝቢ ኤርትራ፣ ካብ ረድኤትን ግዝኣተ-ስነ-ኣእምሮኡን ነብሱ ሓራ ጌሩ፣ ውሕስነት መግቢን ትሕተን ልዕለን ቅርጹን ንምርግጋጽ ጥራይ ዘይኮነ፣ ክንዮኡ ንሰደድ ዝቐንዐ ተረፍ ምህርቲ ከፍሪ ምጽዓሩ፣ ኣብ ልምዓታዊ ዕዮ ዘሰላሰሎ ተኣምራታዊ ዓወቱ ምዃኑ ዘመልከተ’ቲ ሰሙናዊ ሓተታ፣ “ንመንግስቲ ኤርትራ ቊጠባዊ ድንፍዐ ማለት፣ ንኹሉ ዘሳትፍን ዘርብሕን ኣብ መላእ ሃገር ዝተዘርግሐ ሓያል ሃገራዊ ቊጠባን ዕሩይ ኣከፋፍላ ሃገራዊ ሃብትን ማለት’ዩ” ድሕሪ ምባል፣ ከም ኣካል ናይ’ዚ ከቢድ ሃገራዊ ልምዓታዊ ስትራተጂ፣ ንወፍሪ ዝሓቊፍ ብቚዕ ትሕተ-ቅርጺን ካልኦት መሰረታውያን ኣገልግሎታትን ንምብራኽ፤ ወፍሪ ዘኽስብን ቀጻልነት ወፍሪ ዘውሕስን ሕጋዊ መዳይ ንምትብባዕ፤ ብቚዕ ምሕደራ ጸጋታትን ንዜጋታት ስራሕ ናብ ዝፈጥር ሞያን ቴክኖሎጅን ዘሰጋግርን ሽርክነታዊ ወፍሪ፣ ናይ ወፍርን ዕድላትን ውድዓዊ ሓበሬታ ንኹሉ ከም ዝባጻሕ ንምግባር፤ ከምኡ’ውን ስርዓተ መዘርግሒ ሓበሬታን ርኽክብን ንምርግጋጽ፣ ብውሁድ ስራሕ ልዑል ጻዕሪ ይካየድ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

እቲ ሰሙናዊ ሓተታ ኣብ መወዳእታ፣ ንዝተሃመሹ ወገናት ብምቕዳምን ንኹሉ ዘመዓራሪ ዕድላት ብምርሓውን ህዝቢ ኣብ እንኮን ፍትሓውን መኣዲ ምጽንባር፣ ፖለቲካዊ ርግኣት፣ ሃገራዊ ስኒት፣ ቍጠባውን ማሕበራውን ልምዓት፣ ማሕበራዊ ፍትሕን ባህላዊ ስጕምን ምርግጋጽ ነዊሕ ቃልስን ሂወት ብሉጻትን ዝተኸፍለሉ ነቕ ዘይብል ዕላማ ህዝብን መንግስቲን ኤርትራ ምዃኑ ደጊሙ ኣረጋጊጹ።

******* ኣ.ዜ.ኤ ******

Meeting of High Level Committee of Eritrea and...

Senior Eritrean delegation visit to Somalia

إرتريا أرض البحر الحلقة الثالثة ” لعلعة...

Senior Eritrean delegation left for Addis Ababa

Diplomatic activities by Eritreans in Diaspora

President Isaias met and held talks with Saudi...