November 15, 2013

ኣባላት ህግደፍ ንኡስ ጨንፈር ሰሜን ጀርመን፡ ሃገራዊ መደባት ልምዓት ንምዕዋት ድ ዋት ምህላዎም ኣረጋጊጾም፣

ኣባላት ህግደፍ ንኡስ ጨንፈር ሰሜን ጀርመን፡
ሃገራዊ መደባት ልምዓት ንምዕዋት ድ
ዋት ምህላዎም ኣረጋጊጾም፣

ኣባላት ህግደፍ ንኡስ ጨንፈር ሰሜን ጀርመን፡ ሃገራዊ መደባት ልምዓት ንምዕዋት ድ ዋት ምህላዎም ኣረጋጊጾም፣

ኣባላት ህግደፍ ንኡስ ጨንፈር ሰሜን ጀርመን፡ መሳርዖም ኣደልዲሎም ሃገራዊ መደባት ልምዓት ንምዕዋት ከም ወትሩ ድሉዋት ምህላዎም፡ ዓመታዊ ንጥፈታቶም ንምግምጋም ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ ኣረጋጊጾም፣

ካብ ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ጀርመን ኣቶ ዮውሃንስ ወልዱ ንተሳተፍቲ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ እቶም ዜጋታት ጸጋታት ሃገሮም ኣብ ረብሓኦምን ረብሓ ሃገሮምን ንምውዓል፡ ኣብ ሃገሮም ንዝተፈጥረ ንዜጋታት ቀዳምነት ዝህብ ዕድላት ወፍሪ ብተገዳስነት ክጥቀሙሉ ኣዘኻኺሩ፣

ካብ ቤት-ጽሕፈት ህዝባውን ኮማውን ጉዳያት ኣቶ ካሕሳይ ተወልደን ኣቶ ፍጹም ሳህለን ብግደኦም፡ ኣባላት ህግደፍ ንኡስ ጨንፈር ሰሜን ጀርመን ኣብ 2013 ንዘሰላሰልዎ መደባት ብምምጓስ፡ ኣብ ዝቕጽል ዓመት’ውን ንተጻብኦታት ብስሙር መኸተ ንምምካት ብተወፋይነት ከምዝሰርሑ ጽኑዕ እምነቶም ገሊጾም፣

መንእሰይ ሰምሃር ገብርኣብ ኣብ ዘቕረበቶ – ንቅርጺ፡ ዕላማን መምርሒታትን መንእሰያት ህግደፍ ዝምልከት ሰፊሕ መብርሂ፡ መንእሰያት ንዘካየድዎ ንጥፈታትን በጺሖሞ ዘለዉ መድረኽን ብዝርዝር ኣቕሪባ፣

ተሳተፍቲ ብወገኖም፡ ኣብ ዝቐረበ ገምጋምን መግለጺታትን ምይይጥ ድሕሪ ምክያድ፡ ልምዓታዊ መደባት ሃገር ንምድንፋዕ ጻዕርታቶም ከምዘሐይሉ ብምርግጋጽ፡ ኣብ ልዕሊ ሃገሮም ንዝተስገደደ ዘይሕጋዊ እገዳታት ንምምካት መኸተኦም ከምዘሐይሉ ኣነጺሮም፣

****** ኣ.ዜ.ኤ ******

Witness of the most unique & fabulous...

Interview with President Isaias Afwerki: “No...

Eritrean Delegation Statement UNHRC 68th EXCOM...

Women Forum held in Manchester UK

Asmara’s Art Deco Buildings and the World...

STATEMENT BY H.E. MR. OSMAN SALEH, MINISTER OF...