March 1, 2013

ኣባላት ሃገራዊ ማሕበር ደቂኣንስትዮ ኤርትራ ተቐማጦ ጀርመንን ሰሜን ኣሜሪካን፣ መደባት ልምዓት ንምዕዋት ጻዕረን ከምዘዛይዳ ኣረጋጊጸን።

>ኣባላት ሃገራዊ ማሕበር ደቂኣንስትዮ ኤርትራ ተቐማጦ ጀርመንን
ሰሜን ኣሜሪካን፣ መደባት ልምዓት ንምዕዋት ጻዕረን ከምዘዛይዳ ኣረጋጊጸን።

ኣባላት ሃገራዊ ማሕበር ደቂኣንስትዮ ኤርትራ ተቐማጦ ጀርመንን  ሰሜን ኣሜሪካን፣ መደባት ልምዓት ንምዕዋት ጻዕረን ከምዘዛይዳ ኣረጋጊጸን።ኣባላት ሃገራዊ ማሕበር ደቂኣንስትዮ ኤርትራ ተቐማጦ ጀርመንን ሰሜን ኣሜሪካን፣ ክካየዱ ዝጸንሑን ብሕጂ ዝውጠኑን መደባት ልምዓትን መኸተን ንምዕዋት ጻዕረን ከምዘዛይዳ፣ በብወገነን ኣብ ዘቃነዕኦ ኣኼባታት ኣረጋጊጸን።

“መንእሰያትና ዋሕስ መጻኢና” ብዝብል ቴማ ኣኼባአን ኣብ ከተማ ሽቱትጋርት ዘካየዳ ኣባላት ሃማደኤ ጀርመን፣ ብውህደት ህዝብን መንግስትን ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ሃገርና ዝሰላሰል ዘሎ ዓበይቲ መደባት ልምዓት ንምድንፋዕ፣ ተሳትፎአን ብምብራኽ ዕዉት ዕማም ንምፍጻም ተዓጢቐን ከምዘለዋ ኣነጺረን።

ፕረዚደንት ሃማደኤ ወይዘሮ ልኡል ገብረኣብ፣ “ቀንዲ መለክዒ ንማዕርነት ጀንደር” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ንተሳተፍቲ ኣብ ዝሃበቶ ሰፊሕ ሰሚናር፣ መሰል ዜግነት፣ መሰል ክትመርጽን ክትምረጽን ምኽኣል፣ መሰል ዋንነት፣ መሰል ምንቅስቓስን ማዕረ መሰል ኣብ ምሕደራ ስድራ-ቤትን ካብ’ቶም ቀንዲ መለክዒታት ከምዝኾኑ ብምምልካት፣ ኣብ ኤርትራ ንምርግጋጾም ክካየድ ዝጸንሐ ግብራዊ ዕማም ዘተባብዕ ውጽኢት ከምእተረኽቦን ብዝለዓለ ንምስራጹ ሓያል ጻዕሪ ከምዝሓትትን ኣብሪሃ።

ኣባላት ሃማደኤ ጨንፈር ጀርመን ኣብ መወዳእታ፣ ውዳቤአንን ውህደተንን ንምሕያል፤ ከምኡ’ውን ተካእቲ መንእሰያት ንምጥርናፍ ዝተፈላለየ መደባት ብምስራዕ ዕማመን ከሰላስላ ምዃነን ገሊጸን።

ብተመሳሳሊ፣ ወከልቲ ኣብ ሴንት-ሉዊስ፣ ደንቨር፣ ሎስኣንጀለስ፣ ሲያትል፣ ላስቬጋስ፣ ፊላደልፊን ካልኦትን ከተማታት ኣሜሪካን ዝርከባ ጨናፍር ሃማደኤ ኣብ ከተማ ዋሽንግተን – ዲሲ ኣብ ዘቃነዕኦ ዓመታዊ ኣኼባ፣ ከም ወትሩ ሕልምታት ጸላእትን ተጻባእትን ንምብርዓን ኣብ ጎኒ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ብምዃን ብልጽግትን ስልጥንትን ሃገር ንምህናጽ ቃልሰን ከምዘሐይላ ኣረጋጊጸን።

ፕረዚደንት ሃማደኤ ወይዘሮ ልኡል ገብረኣብ ካብ ፍራንክፈርት – ጀርመን ብመንገዲ ‘ስካይፕ’ ንተሳተፍቲ ኣብ ዘመሓላለፈቶ መልእኽቲ፣ ኤርትራውያን ደቂኣንስትዮ ብሓፈሻ ኣባላት ሃማደኤ ድማ ብፍላይ ኣብ ኩሉመዳያዊ ንጥፈታት ዳግመ-ህንጻን ጥሙር ሃገራዊ መኸተን ንዝገብርኦ ዘለዋ ኣበርክቶ ብምምጓስ፣ ኣብ ምሕያል ኤርትራዊ ኮም ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ብንቕሓትን ተወፋይነትን ቃልሰን ከሐይላ ኣዘኻኺራ።

ወይዘሮ ልኡል ኣስዒባ፣ ጨናፍር ሃማደኤ ውዳቤአን ብዓይነትን ብዝሕን ንምሕያል ክሰርሓሉ ዝግብአን መደባት ድሕሪ ምዝርዛር፣ ብውልቅን ብጕጅለን ተጠቀምቲ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ወፍሪ ዕድላት ክኾና ኣተባቢዓ።

እተን ወከልቲ ጨናፍር ሃማደኤ ብወገነን፣ ንንጥፈታት ጨንፈረንን መጻኢ መደባቱን ኣብ ዝምልከት ጸብጻብን ውጥን ስራሕን ድሕሪ ዘካየድኦ ዘተ ኣካየድተን ከምዝመረጻ፣ ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

***** ኣ.ዚ.ኤ *****

Hirgigo power plant: Project worth over 98 Million...

Cabinet Ministers holds meeting

“Beyond Refugee Crisis and Human Tracking...

Engaging & Understanding the Horn of Africa...

Speech by H. E. Ambassador Hanna Simon, Permanent...

The Board of Directors of the African Development...