ኣስከሬን ሰማእታት ግንባር ናቕፋ ብኽብሪ ዝዓርፈሉ ከባቢ ፊደል ፐ ክሳብ ደንደን ንምግራብ ህዝብን ተማሃሮን ማእቶታዊ ንጥፈታት ይካየድ ኣሎ።
ክኢላ ልምዓት ብቚሊ ኣብ ንኡስ ዞባ ናቕፋን ኣወሃሃዲ ናይ’ቲ መደብን ኣቶ ተስፋኣለም ዘውደ፣ ዕላማ’ቲ መደብ ኣስከሬን ጀጋኑ ሰማእታትና ንዝዓርፈሉ ናይ ዘልኣለም ናይ ክብሪ ቦታኡን ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ታሪኻዊ ቦታታትን ሓምላይ ምልባስ ከምዝኾነ ሓቢሩ።
ካብ ተሳተፍቲ – ነባሪ ምምሕዳር ከባቢ ምዖ ኣቶ ዑመር እድሪስ ስዒድ፣ እቲ ማእቶት ናይ ሕልና ዕግበት ከምዝፈጥረሎም ጠቒሱ፣ ብልዑል ስምዒት ይዓምዎ ከምዘለዉ ኣብሪሁ።