July 23, 2017

ኣስመራ፣ ከተማ ሕልምታት – Asmara: City of Dreams

ኣስመራ፣ ከተማ ሕልምታት – Asmara: City of Dreams

ብዕለት 15.7.2017 ኣብ ዋና ከተማ ኣውስትርያ፣ ቪያና ንክብሪ ናይዛ ኣብ መዝገብ ዓለማዊ ውርሻ ተመዝጊባ ዘላ ከተማ ኣስመራ ኣዝዩ ድሙቕ ዝኾነ በዓል ከምዝተኻየደ ቤ.ጽ. ቀዋሚ ወኪል መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ቤ.ጽ. ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቪያና᎓ ኣውስርትያ ሓቢሩ
እዚ ብምትሕብባር ናይዞም ሲዒቦም ዝግለጹ ኣካላት ዝተወደበ በዓል ከምዝኾነ ይግለጽ፣
1) ዪኒቨርሳል ፒስ ፈደረሽን
2) ቤ.ጽ. ቀዋሚ ወኪል መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ቤ.ጽ. ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቪያና᎓ ኣውስርትያ
3) ማሕበር ወከልቲ ጋዜጠኛታት ኣብ ቤ.ጽ.ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቪያና᎓ ኣውስርትያ
4) ሆርን ኦፍ ኣፊርካ ፒስ ኢኒሽያቲቭ

ታሪኻዊት ከተማ ኣስመራ ኣብቲ ብዕለት 8.7.2017 መበል 41 ንታሪኻዊ ባህላዊ ቅርሳታት ኣብ ከተማ ክራካው ፖላንድ ዝተጋብአ ጉባኤ ዩኔስኮ᎓ “ኣስመራ᎓ ዘመናዊት ከተማ ኣፍሪቃ” ብዝብል ስም᎓ ኣብ መዝገብ ዓለማዊ ውርሻ ከምዝተመዝገበት ዝዝከር ኢዩ። እዚ ተፈላጥነትዚ ከተማ ኣስመራ ንህዝቢ ኤርትራን ኣፍሪቃን ንዓለምን ብዘመናውነታን ታሪኻውነታን ዓሚቕ ትርጉም ከምዘለማ ዘብርሀ ፍጻሚ ኢዩ። ኣብ ምድላዉን ምክያድን ናይቲ ጽምብል ኣቶ ዓብደልቃድር ሓምዳንን ኣቶ ሃብትኣብ ጽገን ተሳቲፎም ከምዝነበሩ ይፍለጥ።

ስለዚ ነዚ ንምጽንባል ወደበቲ ንኣካየድቲ ኣስመራ ሀሪተጅ ፕሮጀክት ኢንጂኔር ተስፋኣለም ወልደሚካኤልን ኢንጂኔር መድህኔ ተኽለማርያምን ብምዕዳም᎓ ኣስታት 200 ዕዱማት ዝተሳተፍዎ ኣዝዩ ዕዉት በዓል ኣካይዶም። እዚ ብመስረት ፖወር ፖይንት ዝቐረበ መገለጺ᎓ ኣዝዩ ዝርዝራውን ኣስመራ ኣብቲ ዓለማዊ መዝገብ ውርሻ ምእታዋ᎓ ግቡእ ቦታኣ ከምዝኾነ ብመርትዖታት ገሊጾም። ድሕረ ባይታ ኣስመራ፣ ዘለዉዋ ቅዲ-ህንጻታት᎓ ናይ ኢጣልያውያን ምህንድስናንን ኤርትራዊ ጉልበትን ተመክሮ ህንጻን ተደማሚሩ᎓ ከምውጺኢቱ እዞም ብርቂ ዝኾኑ ህንጻታት ከምተሃንጹ ሓቢሮም። ኣብ መግለጺኦም᎓ እቲ ኮሚቴ እንታይ ዓይነት ቅርጺ ኣባላትን ተሓጋገዝቲ ናይ ደገን ውሽጢን ኪኢላታትን ሓቒፉ᎓ ነቲ ኣስታት 1300 ገጻት ዝሓዘ ዕዉት ጽሑፍ ከምዘቕረበ ሓቢሮም። ካብ ህዝቢ ዝቀረቡ ዝተፈላለዩ ሕቶታት ብዘዕግብ ኣገባብ ገሊጾም። እዞም መሃንድሳት᎓ እዚ ዋና ከተማና ረኺባቶ ዘላ ተፈላጥነት᎓ ንሕጂን ንሓዋሩ ንምዕቃቡን ዝያዳ ሓላፍነት ከምዘሰክመና ኣረዲኦም።

It is a sign of respect to the city of Vienna by organisers to have managed that Vienna is the first city to get the privilege of this important and amazing public event on Asmara:City Of Dreams is being conducted, immediately after its inscription in UNESCO’s World Heritage List.

Activities by Eritrean nationals in Diaspora

Mr. Yemane Gebreab delivers message of President...

President Isaias met and held talks with Foreign...

STATEMENT BY H.E. MS. SOPHIA TESFAMARIAM,...

Weki-Duba: Solar powered water project inaugurated

70th Anniversary of the Founding of the PRC...