January 23, 2012

ኣስመራ። ኣቓልቦ በጻሕቲ ካብ ዝስሕባ ቀዳሞት 10 ሃገራት ዓለም ምዃና ተገሊጹ፣

ኣስመራ። ኣቓልቦ በጻሕቲ ካብ ዝስሕባ
ቀዳሞት 10 ሃገራት ዓለም ምዃና ተገሊጹ፣

ርእሰ ከተማ ኤርትራ – ኣስመራ ንካልኣይ ተኸታታሊ ዓመት ሓንቲ ካብተን ኣቓልቦ በጻሕቲ ዝስሕባን ክብጽሓ ዘለወንን ቀዳሞት 10 ሃገራት ዓለም ብምዃን። ብመርበብ ሓበሬታ ‘ሎንሊ ፕላኔት’ ተረቚሓ፣

እቲ መርበብ ሓበሬታ ኣብ 2011 ብዝገበሮ ዝተፈላለየ ረቛሒታት ኣብ ግምት ዘእተወ ደቂቕ መጽናዕቲ መሰረት። ቀዳማይ ደረጃ ተሰሪዓ ዘላ ከተማ በርሊን – ጀርመን ክትከውን እንከላ። ኣያቺቶ – ፔሩ። በይሩት – ሊባኖስ። ኣስመራ – ኤርትራ። ግላስጎ – ስኮትላንድ። ለን – ኒካራግዋ። ሮተርዳም – ኔዘርላንድስ። ቮልጎግረድ – ሩስያ። የለውናይፍ – ካናዳን ቤልግሬድ – ሰርብያን ድማ ካብ ካልኣይ ክሳብ ዓስራይ ተርታ ሒዘን ኣለዋ፣

“ከተማ ኣስመራ ካብ ኣፍሪቃ እታ ዝጸበቐት ከተማ’ያ” ዝበለ መርበብ ሓበሬታ ‘ሎንሊ ፕላኔት’። ካብ’ተን “ተባሃግቲ” ዝበሃላ ከተማታት’ታ ኣህጉር ብቐዳምነት እትጥቀስን ብደረጃ ዓለም ራብዓይ ደረጃ ዝሓዘት እታ እንኮ ኮይና ምርቍሓን ናይ’ዚ ኣብነት ከምዝኾነ ሓቢሩ፣

ኣስመራ። ቤኒቶ ሞሶሎኒ ኣብ ኣፍሪቃ ካልኣይ ዓቢ ሮማዊ ግዝኣት ንምህናጽ ኣብ ዘካየዶ ዘይዕውት ዘመተ። ብኢጣልያዊ ቅዲ ዝተሃንጸት ኮይና። ብምሉኦም ህንጻታታ ሓደ ካብቲ ካልእ ዝተፈልየን እጹብ-ድንቂ ዝኾነ ስነ-ህንጻ ዝውንን ከምዝኾነ። እቲ መርበብ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊጹ፣

ገለ ካብቶም ብርቂ ህንጻታት ከተማ ኣስመራ። ክትበርር ናይ ዝተዳለወት ነፋሪት ቅርጺ ዝሓዘ ፍያት-ታሌሮ። ዋና ቤት-ጽሕፈት ሰልፊ ፋሺሽት ነበር (ናይ ሕጂ ሚኒስትሪ ትምህርቲ)ን ሓያሎ ካልኦትን ከምዝርከብዎ’ውን የነጽር፣

ኤርትራ ናጽነታ ንምጕንጻፍ ኣንጻር ኢትዮጵያ ብዘካየደቶ ንኣስታት 30 ዓመታት ዝቐጸለ ኵናትን ሉዓላውነታ ንምውሓስ ብዝተኻየደ ዳግማይ ኲናትን። “ናይ ኵናት ዞባ” ብዝብል ምኽንያት ካብ ዓይኒ በጻሕቲ ተኸዊላ ምጽናሓ ዝጠቐሰ መርበብ ሓበሬታ ‘ሎንሊ ፕላኔት’። ኣብዚ እዋን’ዚ ግን ብዘለዋ ሰላም። ርግኣትን ጸጥታን። ካብተን ክትበጽሐን ዘብህጋ ውቁባት ከተማታት ሓንቲ ክትከውን በቒዓ ምህላዋ ብተወሳኺ ሓቢሩ፣

መርበብ ሓበሬታ ‘ሎንሊ ፕላኔት’ ኣብ ዓመተ 2010 ብዘካየዶ ተመሳሳሊ መጽናዕቲ’ውን ኣስመራ ካብተን ቀዳሞት 10 ተባሃግቲ ከተማታት ዓለም ምዃና ብምግላጽ። ሽዑ’ውን ኣብ መበል ራብዓይ ደረጃ ኣስፊርዋ ምንባሩ ዝዝከር’ዩ፣

***** ኣ.ዜ.ኤ *****

Hirgigo power plant: Project worth over 98 Million...

Cabinet Ministers holds meeting

“Beyond Refugee Crisis and Human Tracking...

Engaging & Understanding the Horn of Africa...

Speech by H. E. Ambassador Hanna Simon, Permanent...

The Board of Directors of the African Development...