November 21, 2012

ኣሰልጣኒ ሙሴ ኣስሄል፣ ንሕርይቲ ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ከሰልጥን ተመሪጹ።

ኣሰልጣኒ ሙሴ ኣስሄል፣ ንሕርይቲ ጋንታ ቅድድም
ብሽክለታ ኣፍሪቃ ከሰልጥን ተመሪጹ።

ካብ 6 ክሳብ 11 ሕዳር ኣብ ቡርኪናፋሶ ኣብ ዝተኻየደ ሻምፕዮና ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ 2012 ንሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ መሪሑ ኣንጸባራቒ ዓወት ዘመዝገበ ኣሰልጣኒ ሙሴ ኣስሄል፣ ነታ ካብ 21 ክሳብ 24 ሕዳር ኣብ ሻርጃ – ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ዝካየድ ኣህጉራዊ ውድድር ንእትሳተፍ ሕርይቲ ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ከም ኣሰልጣኒ ኮይኑ ክኣልያ፣ ብኮንፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ተመሪጹ።

ፕረዚደንት ኮንፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ዶክተር ወጂህ ዓዛም ናብ ሃገራዊ ፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ኣብ ዝለኣኾ ወግዓዊ ደብዳበ ከምዝሓበሮ፣ እታ ንኣህጉር ኣፍሪቃ ወኪላ ኣብ’ቲ ግዝኣት ሻርጃ እትውድቦ ቀዳማይ ኣህጉራዊ ውድድር ቅድድም ብሽክለታ እትሳተፍ ሃገራዊት ጋንታ ካብ 15 ሃገራት ዝተዋጽኡ 15 ተቐዳደምቲ ዝሓቘፈት ከምዝኾነት ሓቢሩ።

ተቐዳዳማይ ተስፎም ዑቕባማርያም ንኤርትራ ወኪሉ ኣብ’ቲ ውድድር ክሳተፍ ምርቍሑ ዝሓበረ ህዝባዊ ርክባት ኮሚሽን ስፖርት፣ ኤርትራ – ኣብ’ዚ ናይ ሻርጃ ቀዳማይ ኣህጉራዊ ቅድድም ብሽክለታ ብሓደ ኣሰልጣኒን ሓደ ተቐዳዳማይን ተወኪላ ክትቀርብ ዕድል ምርካባ፣ ንዕቤትን ዝላን ቅድድም ብሽክለታ ሃገርናን ተቐዳደምትናን ኣጕሊሑ ዘርኢ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።

ኣብ’ዚ ኣብ ሻርጃ – ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ዝካየድ ኣህጉራዊ ውድድር ቅድድም ብሽክለታ፣ ኣብ ርእሲ’ተን ንኣህጉር ኣፍሪቃ ዝውክላ 15 ሃገራውያን ጋንታታት፣ ካብ ከም ግሪኽ፣ ኢጣልያ፣ ጀርመን፣ ስዊዘርላንድ፣ ሩስያን ዩክሬንን ዝተዋጽኡ ምኵራት ተቐዳደምቲ ክሳተፍዎ ምዃኖም ተፈሊጡ’ሎ።

******* ኣ.ዜ.ኤ *******

 

Tour of Sharjah First International Cycling Tournament
ኮንፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ (CAC)

President Isaias Afwerki sends message of...

Witness of the most unique & fabulous...

Interview with President Isaias Afwerki: “No...

Eritrean Delegation Statement UNHRC 68th EXCOM...

Women Forum held in Manchester UK

Asmara’s Art Deco Buildings and the World...