October 19, 2012

ኣምባሳደር ግርማይ ገብረማርያም፣ ወረቐት ስርሑ ንፕረዚደንት ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን ኣረኪቡ።

ኣምባሳደር ግርማይ ገብረማርያም፣ ወረቐት ስርሑ
ንፕረዚደንት ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን ኣረኪቡ።

ኣምባሳደር ግርማይ ገብረማርያም፣ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን ኮይኑ ብምምዛዙ፣ ብ17 ጥቅምቲ ወረቐት ስርሑ ንፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ማያርዲት ኣረኪቡ።

ኣብ’ቲ ኣብ ከተማ ጁባ ኣብ ዝርከብ ቤተ-መንግስቲ ዝተኻየደ ናይ ምርኽኻብ ስነ-ስርዓት፣ ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር፣ ንኣምባሳደር ግርማይ – ካብ መንግስቲ ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን ዘድሊ ምትሕብባር ከምዘይፍለዮ ብምሕባር፣ ጽቡቕ ናይ ስራሕ ዕድል ተመንዩሉ።

ኣምባሳደር ግርማይ ገብረማርያም ብወገኑ፣ ዝምድናታት ኤርትራን ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳንን ዝያዳ ንምምዕባል ከምዝጽዕር ኣረጋጊጹ።

**** ኣ.ዜ.ኤ ****

Ethiopian Airlines resumes flight to Asmara

President Isaias concludes official visit to...

Speech delivered by President Isaias Afwerki at...

Eritrea reopens embassy in Addis Ababa in fresh...

President Isaias arrives in Addis Ababa

State Lunch in honor of President Isaias