April 15, 2016

ኣምባሳደር እስቲፋኖስ ወረቐት ስራሑ ኣቕሪቡ

ኣምባሳደር እስቲፋኖስ
ወረቐት ስራሑ ኣቕሪቡ

 ኣምባሳደር እስቲፋኖስ  ወረቐት ስራሑ ኣቕሪቡኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያን ኣየርላንድን ኣቶ እስቲፋኖስ ሃብተማርያም ብ12 ሚያዝያ ወረቐት ስራሑ ንፕረዚደንት ኣየርላንድ ማይክል ሂግንስ ኣረኪቡ። ኣብ’ቲ ስነ-ስርዓት፡ ኣምባሳደር እስቲፋኖስ፡ መልእኽቲ ሰናይ ምንዮት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ድሕሪ ምቕራብ፡ ህዝቢ ኤርትራን መንግስቱን ምስ ህዝብን መንግስትን ሪፓብሊክ ኣየርላንድ፡ ውዱን ሽርክነት ብምፍጣር ድልዱል ዝምድና ክህልዎም ከምዝደልዩን ከምዝሰርሑሉን ገሊጹ። ፕረዚደንት ማይክል ሂግንስ ብወገኑ፡ ህዝቢን መንግስቲን ኤርትራ፡ ኣብ ጉዕዞ ልምዓትን ሰላምን ንዘመዝግቡዎ ዘለዉ ገስጋስ ኣድናቖቱ ብምግላጽ፡ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምሉእ ጥዕና፡ ንህዝቢ ኤርትራ ድማ ብልጽግና ተመንዩ። ዘላቒ ሰላምን ምዕባለን ንምርግጋጽ፡ ሃገሩ ምስ ኤርትራ ብሓባር ክትሰርሕ ዘለዋ ቅሩብነት ድማ ኣረጋጊጹ።

ارتريا .. في لقاء أعرف أهلك بالقاهرة ” تقصير...

Eritrean delegation participates at COMESA summit

Ethiopian Prime Minister returns home concluding...

Prime Minister Dr. Abiy Ahmed arrived in Asmara...

Eritrean community festival in Germany concludes

Festival of Nationals in Germany commences