April 7, 2014

ኣምበሳደር በየነ ርእሶም፡ ምስ ምኽትል ፕረዚደንት ኬንያ ተራኺቡ ኣብ ምሕያል ክልተኣዊ ዝምድና ዘተኰረ ዘተ ኣካዪዱ።

ኣምበሳደር በየነ ርእሶም፡ ምስ ምኽትል
ፕረዚደንት ኬንያ ተራኺቡ ኣብ ምሕያል
ክልተኣዊ ዝምድና ዘተኰረ ዘተ ኣካዪዱ።

ኣምበሳደር በየነ ርእሶም፡ ምስ ምኽትል   ፕረዚደንት ኬንያ ተራኺቡ ኣብ ምሕያል  ክልተኣዊ ዝምድና ዘተኰረ ዘተ ኣካዪዱ።ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሪፓብሊክ ኬንያ ኣቶ በየነ ርእሶም፡ ምስ ምኽትል ፕረዚደንት’ታ ሃገር ሚስተር ዊልያም ሩቶ ተራኺቡ፡ ኣብ ምድንፋዕ ክልተኣዊ ዝምድናን ንኽልቲአን ሃገራት ዘገድሱ ዞባውን ኣህጉራውን ጉዳያትን ብሰፊሕ ተመያዪጡ።

ኣብቲ ኣብ ኣብ ቤት-ጽሕፈት ምኽትል ፕረዚደንት ኬንያ ዝተኻየደ ርክብ፡ ክልቲኦም ወገናት ንምዕባለታት ዞባና ኣመልኪቶም ኣብ ዝተዘራረቡሉ፡ ኣምባሳደር በየነ፣ ኣብ ከባቢና ሰላምን ምርግጋእን ንምስፋን ኤርትራ ኣበርቲዓ ክትሰርሕ ከምዝጸንሐትን ክትቅጽሎ ምዃናን ኣነጺሩ።

ደቡብ ሱዳናውያን ኣሕዋት ውሽጣዊ ጸገሞም ፈቲሖም ንህዝቦምን ሃገሮምን ኣብ ጎደና ምዕባለ ከምርሑ ድሌት ኤርትራ ምዃኑ ጠቒሱ ድማ፣ “ኤርትራ ንተቓወምቲ ደቡብ ሱዳን ትሕግዝ’ያ” ዝብል ዘመተ መንግስቲ ኢትዮጵያ ውጹእ ሓሶት ምዃኑ ኣስሚሩሉ።

ምኽትል ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ብወገኑ፡ ኣብ ከባቢና ሰላም ንምስፋን ብወገን ኤርትራ ንዝግበር ጻዕሪ ኬንያ ኣጸቢቓ ከምእትፈልጦን ከምእትግንዘቦን ብምጥቃስ፣ ዝምድና ኤርትራን ኬንያን ንምሕያል ቅሩብነት መንግስቲ ኬንያ ኣረጋጊጹ።

ኣብቲ ርክብ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ናይ ንግድን ወፍርን ዕድላት ንምዕባይ፣ ኣብ ቀረባ እዋን መንገዲታት ኣየር ኬንያን ኤርትራን ካብን ናብን ኣስመራን ናይሮቢን በረራታት ንምጅማር ምቅርራብ ይግበር ከምዘሎ ተሓቢሩ።

**** ኣ.ዜ.ኤ. ****

Senior Eritrean delegation held discussion with...

Senior Eritrean delegation on working visit to...

Statement by Ms. TekeaTesfamicael President of the...

FDRE and Afar and Gambella opposition movements...

International Women’s Day colorfully...

International Women Day celebrated in Anseba and...