January 25, 2012

ኢትዮጵያ ብኣህጉራዊ ሕጊ ንኽትግዛእ ባይቶ ጸጥታ ግቡእ ተራኡ ክጻወት። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ጸዊዑ፣

ኢትዮጵያ ብኣህጉራዊ ሕጊ ንኽትግዛእ ባይቶ ጸጥታ ግቡእ ተራኡ ክጻወት። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ጸዊዑ፣

ኢትዮጵያ ብኣህጉራዊ ሕጊ ክትግዛእን ዝኸተመትሎም ውዕላት ክተኽብርን። ባይቶ ጸጥታ ግቡእ ተራኡ ክጻወት። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ናብ ፕረዚደንት ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሰደዶ መልእኽቲ ጸዊዑ፣

ኣብቲ ናይ 23 ጥሪ መልእኽቱ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ’ቲ ብ16 ጥሪ ኣብ ክልል ዓፋር – ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ብዕጡቓት ተቓወምቱ ዝተፈጸመን ህይወት ሓሙሽተ ወጻእተኛታት በጻሕቲ ዝወሰደን መጥቃዕቲ ብ18 ጥሪ ናብ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ዝሰደዶ መልእኽቲ። በቲ ዘሕዝን ፍጻመ ንኤርትራ ብምኽሳስን ብምጽላምን ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊኣ ቀጻዒ ስጕምቲ ክወስድ ምሕታቱ ከምዘስደመሞ ብምጥቃስ። እዚ ኮነ ኢልካ ሓንከርቲ ሓይልታት – ብመጋበርያነት ተለኣኣኺኦም ኮይኑ ዘሎ ወያነ ዝተማህዘ – ንኻልእ ሕቡእ ዕላማታትን ኣጀንዳታትን ዘንቀደ መሰረት-ኣልቦ ክሲ ከምዝኾነ ኣነጺሩ፣

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ወሲኹ። ስርዓት ወያነ ንኣህጉራዊ ሕጊታትን ውዕላትን። ከምኡ’ውን ንቻርተር ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ባዕሉ ዝኸተመሉ ውዕልን ብምጥሓስ ከካይዶ ንዝጸንሐ ተግባራት ድሕሪ ምዝርዛር። ነቲ ናይ መወዳእታን ቀያድን ብይን ጥሒሱ ንልዕሊ 10 ዓመታት ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ጐቢጡ ምህላዉ። ንክብረት ኣህጉራዊ ሕጊን ዞባዊ ሰላምን ኣብ ሓደጋ ኣውዲቕዎ ከምዘሎ ብምምልካት። ባይቶ ጸጥታ ነዚ ስርዓት’ዚ ዝገብሮ ምርራው ገዲፉ። ግዴታኡ ኣብ ምርግጋጽን ምውሓስን ኣህጉራዊ ሰላምን ምኽባር ልኡላውነት ኣባል ሃገራትን ክሰርሕ ኣዘኻኺሩ፣

“ኣንጻር ኤርትራ ዝካየድ ናይ ጸለመ ዘመተ። ኣካል ናይ’ቲ ዘይምኽኑይ ተጻብኦ ምምሕዳር ዋሽንግተን’ዩ” ዝበለ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣብ መልእኽቱ። ስርዓት ወያነ ኣብ ልዕሊ መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብዝፈጸሞን ዝቕጽሎ ዘሎን ኣበሳ ኣንጻሩ ብዝተለዓዓለ ህዝባዊ ዕጥቃዊ ተቓውሞ ንኤርትራ ምኽሳሱ ሃዚል ምዃኑ ብምጥቃስ። ባይቶ ጸጥታ – ንረብሓ ሰላምን ፍትሕን ኢሉ። ነቲ ኣብ ከባቢና ተኸሲቱ ዘሎ ብዙሐ-ጐድናዊ ዝተወሳሰበ ኩነታት ብደቂቕ ክምርምሮ ተማሕጺኑ፣

****** ኣ.ዜ.ኤ ******

Eritrea participate at The Red Sea nations...

Switzerland partners with UNDP to support Eritrea...

العربية للطيران تضيف “ارتيريا” إلى...

Foreign Minister Outlines Eritrea’s Achievement...

ENT Diagnostic and Operation Centre Inaugurates

“Eritrea’s Anti-Corruption Experience” ...