March 30, 2011

ኢትዮጵያ፣ ድምቕቲ መርኣያ ጸቢብ ጉጅለኣዊ…

ኢትዮጵያ፣ ድምቕቲ መርኣያ ጸቢብ ጉጅለኣዊ ፖለቲካን ግዕዙይ ምሕደራን ስርዓተ-ክድምናን ከምዝኾነት፣ ሰሙናዊ ሓተታ ገሊጹ።

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ብብዝሒ ህዝቢ ቀዳመይቲ፣ ብስፍሓት መሬት ድማ ካልኣይቲ እትስራዕን ተፈጥሮ ገዚፍ ባህርያዊ ሃብቲ ዝዓደላን ኢትዮጵያ፣ ድምቕቲ መርኣያ ናይ’ቲ ንኣህዛብ ኣብ ድሕረትን ድኽነትን – ኣብ ግጭትን ዘይምርግጋእን ዝሸምም ዘሎ ጸቢብ ጉጅለኣዊ ፖለቲካን ግዕዙይ ምሕደራን ስርዓተ-ክድምናን ከምዝኾነት፣ ሰሙናዊ ሓተታ ገሊጹ።

“ኣብ ሓደ ሃገር ዝርከቡ ኣህዛብ ወይ ብሄረሰባት፣ ብፖለቲካዊ፣ ቍጠባዊ፣ ማሕበራውን ባህላውን ውህደት’ዮም ስሙር ሃገር ንምዃን ዝበቕዑ” ዝበለ እቲ ሓተታ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ስርዓት ግን ብኣንጻሩ፣ ፖለቲካውን ቁጠባውን ዕብለላ ጉጅለኡ ንምውሓስ፤ ኣብ ክንዲ ውህደትን ሃገራዊ ስኒትን ዝፈጥር ቅኑዕ መገዲ፣ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ሓድሕድ ኣናቚቱ ዝገማምዕ፣ ዓሌትነት ዝሰረቱ ሓደገኛን ኣዕናውን ፖለቲካ ሒዙ ንዝሓለፈ 20 ዓመታት ከምእተጓዕዘ ኣነጺሩ።

እቲ ሓተታ ኣስዒቡ፣ ስርዓት ወያነ፣ ሃገር ምምቕቓልን ምንቛትን’ውን እንተኾነ “ብዘይ ደገፍ ሓያላት ኣይክኣልን’ዩ” ስለዝበለ፣ ንስለ ጸቢብ ረብሓታት ጉጅለኡ እምባ ይኾኑኒ ናብ ዝበሎም ሓይልታት ግዳም ተጸጊዑ፣ ኣብ ክንዲ ንጥቕሚ ህዝቡ፣ ክብረት ሃገር ብዘሕሰረ መገዲ ንረብሓ ግዳማውያን ክሽቅል ምጽንሑ ብምምልካት፣ ከም ሳዕቤኑ፣ ኢትዮጵያ ናይ ሓደ ስድራ ተቐዪራ፤ ሰላምን ርግኣትን ስኢና ብኸቢድ ቍጠባውን ፖለቲካውን ቅልውላው ትሕመስ ምህላዋ ሓቢሩ።

እቲ “ወያነን ድርሳነ ስግኣቱን” ዝብል ሰሙናዊ ሓተታ ኣስዒቡ፣ ህዝቢ ኢትዮጵያ – ነዚ ረብሓ ውሑዳን ንምውሓስ ዝተሃንደሰ ፖለቲካ’ዚ ብምቅዋም ኣብ ግንቦት 2005 ዘለዓዓሎ ተቓውሞ ተደጒሉ እምበር ከምዘይቅሃመ ብምሕባር፣ ኣብቲ እዋን’ቲ ጉጅለ ወያነ ኣብ ልዕሊ ንጽሃን ዝፈጸሞ ሰፊሕ ቅንጸላ ድማ ህዝቢ ከምዘይደቀሰሉ ኣገንዚቡ።

“ኣብ መወዳእታ ምህርቲ ናይ ከምዚ ዓይነት ፖለቲካ እንታይ ከምዝኸውን ንምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን” ዝበለ እቲ ሓተታ፣ እዚ ዘለናዮ መድረኽ – ጽልኢ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ወያነ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ፣ ወያነ እንተላይ ኣብ’ቲ መሰረተይን ቀንዲ ደጀነይን ዝብሎ ትግራይ እምብዛ ዝተፈንፈነሉ ከምዝኾነ፤ ስለዚ ድማ፣ ወያነ፣ እቲ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ዝተኸስተ ብርቱዕ ህዝባዊ ተቓውሞ ኣብ ኢትዮጵያ ከይልሕም ከቢድ ስግኣት ሓዲርዎስ፣ ብናቱ ኣጸዋውዓ “ደቂ ካልኦት ብሄራት” ዝብሎም ብኣማኢት ዝቚጸሩ ሰባት ኣብ ምእሳር ከምርከብ ኣብሪሁ።

ኣብ መወዳእታ – እቲ ሰሙናዊ ሓተታ፣ ኣብ ከምዚ ዓይነት ውጡር ሃዋህው፣ ወያነ ድርሳን ዝሓለፉ ስርዓታት ኢትዮጵያ ክደግም እንተተሰምዐ ዘገርም ከምዘይኮነ ብምግላጽ፣ ልቢ-ወለድ ሃገራዊ ስግኣታት እናፈጠርካ ኣቓልቦ ህዝቢ ካብ ውሽጣዊ ጉዳይ ናብ ግዳም ምህውታት፣ ኩሎም ደገፍ ህዝቢ ዝተሓረሞም ስርዓታት – ከም መናውሒ ዕምሪ ዝጥቀሙሉ ኣረጊት ሜላ ምዃኑ ጠቒሱ፣ ስርዓት ወያነ ከም ሳዕቤን ተንኰላቱን ግጉይ ፖሊሲታቱን፣ ኣብ ብርቱዕ ረመጽ ህዝባዊ ተቓውሞ ክጥበስ ባህርያዊ ከምዝኾነ ኣስሚሩሉ።

 

Interview with President Isaias Afwerki

President Isaias Leaves for Egypt

Mohamed bin Zayed receives President of Eritrea

Eritrea 2017 in Review  – Part I

President Isaias Receives Credentials of Six...

الإيقاد .. الوجه الآخر للنظام الإثيوبى .. هل...