June 19, 2013

ንዝኽሪ 20 ሰነ ዝተዳለወ ጉያ ሰማእታት ተኻይዱ

ንዝኽሪ 20 ሰነ ዝተዳለወ ጉያ ሰማእታት ተኻይዱ

by Dirar Fessahaye | ኦሎምፒካዊ ኣትሌት ዘርእሰናይ ታደሰ ብምኽንያት 20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ዘዳለዎ ‘ጉያ ሰማእታት’ ዝተሰምየ ንኩሉ ክፋላት ዕድመን ጾታን ዘሳተፈ ሓባራዊ ጉያ ትማሊ ሰንበት 16 ሰነ 2013 ኣብ ዓበይቲ ጎደናታት ኣስመራ ተኻይዱ።
ኣብቲ ብምውህሃድ ሃገራዊ ፈደረሽን ኣትሌቲክስ ኤርትራ፣ ሃገራዊ ኣወሃሃዲ ሽማግለ በዓላትን ኮሚሽን ስፖርት ዞባ ማእከልን ዝተወደበ ሚኒስተራት፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ፣ ኣቦታትን ኣደታትን፣ ትሕቲ ዕድመ ህጻናትን ከምኡ’ውን ምኩራት ኣትሌታትን ዝተሳተፍዎ ሓባራዊ ጉያ ካብ ሜዳ ባሕቲ መስከረም ተበጊሱ ብጎደና ሓርነት ብምሕላፍ ኣብ ከባቢ ሲስቲ-ፓርክ ድሕሪ ምዝዛሙ ነቲ ዕለት ዝተዳልወ ሰለስተ ደረጃታት ዝነበሮ ውድድራት’ዩ ስዒቡ።

ኣብቲ ንልዕሊ 40 ዕድመኦም፣ ትሕቲ 15 ዓመት ዝርከቡ ህጻናትን ከምኡ’ውን ንምኩራት (Elite) ኣትሌታትን ዘሳተፈ ውድድራት ድማ ኩሎም ተሳተፍቲ ነቲ ሰማእታትና ህያው ዝገበርዎ ኣየር ነጻነት ብምስትንፋስን ዝገደፍዎ ሕድሪ ብስራሕ ንምድባስ ቃል ብምእታውን ብዝምስገን ተስታፍነት ዝተዳለወሎም ርሕቀታት ፈጺሞም። ኣብ መዛዘሚ’ቲ ዕለት ድማ ዕዉታት ተሳተፍቲ ጉያ ሰማእታት ዝተዳለወሎም ናይ ዋንጫ፣ ሜዳልያን ገንዘብን ሽልማታት ካብ ኢድ ዝተፈላለዩ ሚኒስተራትን ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲን ዕዱማት ኣጋይሽን ተቐቢሎም።

Public Relations
Eritrean sport Commission

H. Exc. Mrs. Hanna Simon, Ambassador of the State...

27 juin 1977 – 27 juin 2017

President’s Speech on the Occasion of Martyrs...

Prayer services in memory of Martyrs

قراءة لخطاب الرئيس الارتري الى مجلس الامن...

Press Statement