February 22, 2013

ንመናበዪ ስድራ-ስውኣትን መሰሰኒ ማዕከን ሕድሪ ሰማእታትን ልዕሊ 44 ሽሕ ዶላር፣ 10 ሽሕ ዩሮን ኣስታት 227 ሽሕ ናቕፋን ተወፍዩ።

ንመናበዪ ስድራ-ስውኣትን መሰሰኒ  ማዕከን ሕድሪ ሰማእታትን  ልዕሊ 44 ሽሕ ዶላር፣ 10 ሽሕ ዩሮን  ኣስታት 227 ሽሕ ናቕፋን ተወፍዩ።

ኣብ ሽወደን፣ ኖርወይ፣ ደንማርክ፣ ግሪኽ፣ ኣመሪካን ካናዳን ዝነብሩ ኤርትራውያን፣ ንመናበዪ ስድራ ስውኣትን መሰሰኒ ማዕከን ሕድሪ ሰማእታትን ዝውዕል ልዕሊ 44 ሽሕ ዶላር ኣመሪካ፣ 10 ሽሕ ዩሮን ኣስታት 227 ሽሕና ቕፋን ከምዘወፈዩ፣ ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ሓቢሩ።

ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ፣ ኤርትራውያን ነበርቲ ሽላፍትያንን ከባቢኣን፤ ኣብ ኣልሙህት ዝነብሩ ዜጋታት፤ ማሕበር ኤርትራውያን ተቐማጦ ደቡብ ሸወደን፤ ኤርትራውያን ነበርቲ ዶንሺ – ኖርወይ፤ ኤርትራውያን ደቂኣንስትዮ ኣብ ዴንማርክ፤ ኮሚቴ ሃገራዊ በዓላት ጎተበርግ፤ መንእሰያት ህግደፍ ከተማ ስታቫንገር – ኖርወይ፤ ከምኡ’ውን ማሕበር ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኣብ ሊዶፒንግ – ሽወደን፣ ንመናበዪ ስድራ ስውኣት 44 ሽሕን 301 ዶላር ኣመሪካ ከበርክቱ እንከለዉ፣ ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ተቐማጦ ኣቴንስ – ግሪኽ 10 ሽሕ ዩሮ ንመናበዪ ደቂ-ስውኣት፤ ኣብ ትሕቲ ሃገረ ስብከት ኣመሪካን ካናዳን ዝርከባ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኣባያተ-ክርስትያን ድማ 226 ሽሕን 751 ናቕፋ ንመሰሰኒ ማዕከን ሕድሪ ሰማታት ወፍዮም።

እቶም ዜጋታት ኣብ ዝሰደድዎ መልእኽቲ፣ ስድራ ስውኣት ምሕጋዝ ንሕልና ዘቕስን ሓላፍነት ነፍሲ-ወከፍ ዜጋ ምዃኑ ብምምልካት፣ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት እናወደቡ ክቕጽልዎ ምዃኖም ገሊጾም።

Senior delegation held talks with Rwandan...

Senior delegation attends sworn in ceremony of...

Funeral service of veteran fighters Brig. Gen....

National Council of Eritrean Americans (NCEA)...

Eritrean Sensation Aron Kifle and Awet Habte...

Eritrean Community festival in Eastern Canada