January 7, 2013

ነበርቲ ከተማ ዓሰብ፣ ጥሙር ሃገራዊ መደባት ብሱታፈ ህዝብን ሓይልታት ምክልኻልን ከምዝዕወት ገሊጾም።

ነበርቲ ከተማ ዓሰብ፣ ጥሙር ሃገራዊ መደባት ብሱታፈ
ህዝብን ሓይልታት ምክልኻልን ከምዝዕወት ገሊጾም።

ነበርቲ ከተማ ዓሰብ፣ ጥሙር ሃገራዊ መደባት ብሱታፈ ህዝብን ሓይልታት ምክልኻልን ከምዝዕወት ገሊጾም።

ገስጋስ ጥሙር ዕብየት ብሱታፌ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝነብር ህዝብን ሓይልታት ምክልኻልን ከምዝዕወት፣ ነበርቲ ከተማ ዓሰብ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመትን በዓል ልደትን ኣብ’ቲ ከባቢ ምስ ዘለዉ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኣብ ዝወዓልዎ ኣጋጣሚ ገሊጾም።

ኣማሓዳሪ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣቶ ዓሊ ማሕሙድ ኣብ ዘስመዖ ቃል፣ ሓርነታዊ ቃልስና ህዝባዊ ብምንባሩ ንጸላእቲ ድሂኽና ክንዕወት ከምዝበቓዕና ብምግላጽ፣ ሎሚ’ውን ከም ትማሊ ብናይ ብዕዙዝ ህዝባዊ ሱታፈ – ሕፍርትን ብልጽግትን ሃገር ከምእንሃንጽ ዘጠራጥር ከምዘየለ ኣረጋጊጹ።

ኣቶ ዓሊ ማሕሙድ ኣስዒቡ፣ ውሕስነት መግቢ ንምርግጋጽ ዝተኻየደ ዓበይቲ ዕማማት ብውህደት ህዝብን ሓይልታት ምክልኻልን ድሙቕ ውጽኢት ከምእተረኽቦ ጠቒሱ፣ ምስጢር ዓወት ህዝቢ ኤርትራ እቲ ውህደትን ስጡም ሓድነትን ምዃኑ ኣረዲኡ።

ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ማእገር ሃገር ምዃኑ ዝጠቐሰ ኣዛዚ ምብራቓዊ እዚ ሜጀር ጀነራል ገረዝግሄር ዓንደማርያም ብወገኑ፣ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል፣ ኣብ ምውሕስ ልኡላውነት ጥራይ ከይተሓጽሩ፣ ኣብ ልምዓታዊ መደባት’ውን ብተወፋይነት ዝሳተፉ ኣፍረይቲ ምዃኖም ኣረዲኡ።

ሜጀር ጀነራል ገረዝግሄር ብተወሳኺ፣ ኤርትራ፣ ህዝቢን ሰራዊትን ዘይፈላለዩላ ሃገር ብምዃና፣ “ቅድሚ ሕጂ ቅያ ዝሰርሐ ምስጢር፣ ዳግማይ ቅያ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣረጋጊጹ።
ተሳተፍቲ ብወገኖም፣ ውህደት ህዝብን ሰራዊትን ውህደት ማይን ጸባን ምዃኑ ብምምልካት፣ ገስጋስ ጥሙር ዕብየት ብሱታፈኦም ክዕወት ምዃኑ ከምዘይጠራጠሩ ኣነጺሮም።

***** ኣ.ዜ.ኤ *****

President Isaias arrives in Addis Ababa

State Lunch in honor of President Isaias

Seminar by President Isaias in Sawa

ኤርትራ፣ ምድረ ባሕሪ ናይ መወዳእታ ኽፋል ስደት...

Ethiopian Airlines to start operation

Ethiopian delegation expressed appreciation for...