January 18, 2013

ትማሊ 16 ጥሪ ኣብ ዝተ ኻየደ 3ይ ዙር ጋቦን ኤርትራዊ ተቀዳዳማይ መርሃዊ ቅዱስ 5ይ ደረጃ ብምሓዝ ብሉጽ ውጽኢት ኣመዝጊቡ።

ትማሊ 16 ጥሪ ኣብ ዝተ
ኻየደ 3ይ ዙር ጋቦን ኤርትራዊ
ተቀዳዳማይ መርሃዊ ቅዱስ 5ይ ደረጃ
ብምሓዝ ብሉጽ ውጽኢት ኣመዝጊቡ።

ትማሊ 16 ጥሪ ኣብ ዝተ ኻየደ 3ይ ዙር ጋቦን ኤርትራዊ  ተቀዳዳማይ መርሃዊ ቅዱስ 5ይ ደረጃ  ብምሓዝ ብሉጽ ውጽኢት ኣመዝጊቡ።ትማሊ ኣብ ከተማ ካሜሩን 2ይ መድረኽ ዘካየደ ዙር ጋቦን ኣሚሳቦንጎ 2013፣ ሎሚ 16 ጥሪ ናብ ጋቦን ተመሊሱ ካብ ከተማ ኦየም ናብ ቢታም 110 ኪሎሜተር ኣብ ዝሸፈነሉ ውድድሩ፣ ኤርትራዊ ተቀዳዳማይ መርሃዊ ቅዱስ 5ይ ደረጃ ብምሓዝ ብሉጽ ውጽኢት ኣመዝጊቡ።

ኤርትራዊ ተቀዳዳማይ ተስፎም ዑቅባማርያም ውድድር ክዛዘም 30 ኪሎሜተር ምስ ተረፎ፣ ኣብ ዓቀብ ነጥቢ ንምሓዝ ሓያል ስካቶ ምስ ኣበገሰ 15 ተቀዳደምቲ ጥራይ ኢዮም ሮትኡ ብምሓዝ ንዓባይ ጉጅለ ክገድፍዋ ዝኸኣሉ። እዛ ጉጅለ፣ ንብርክት ዝበሉ ኤውሮጳውያን ተቀዳደምቲ ዝሓዘት ክትከውን እንከላ፣ መርሃዊ ቅዱስን ተስፎምን ካብ ሃገራዊት ጋንታ ሒዞማ ክወጹ ክኢሎም። ብዝፈጠረቶ ሓያል ናህሪ ድማ ንዓባይ ጉጅለ ክሳብ 3 ደቃይቅ ክትቅድማ ክኢላ ኔራ። ኣብ መወዳእታ ግን ዓባይ ጉጅለ ብተቀዳደምቲ ሃገራዊት ጋንታ ሞሮኮን ክለብ ኤም.ቲ.ኤንን እንዳተመርሐት ነቲ ፍልልይ ናብ ሓደ ደቂቅን 40 ካልኢትን ኣውሪዳቶ። 1ይቲ ጉጅለ ኣብ ዘካየደቶ ሓያል ቅጽበታዊ ውድድር፣ ተቀዳዳይ ክለብ ሎቶ ቤሊሶ ቤልጁማዊ ገርት ዶክሊ ተዓዋቲ ኮይኑ። ኣልጀርያዊ ዓብዱልሳላት ሃኒቸ 2ይ ደረጃ ክሕዝ እከሎ፣ ካልእ ተቀዳዳማይ ክለብ ሎቶ ቤሊሶ ቢለ ጋትያን 3ይ ደረጃ ሒዙ። ሞሮካዊ ሓጂ ሶፋኒ 4ይ፣ ኤርትራዊ ተቀዳዳማይ መርሃዊ ቅዱስ ድማ 5ይ ደረጃ ሒዞም። ብዘይካ’ዚ ተስፎም ዑቅባማርያም ብተመሳሳሊ ግዜ 9ይ ተርታ ሒዙ ውድድሩ ፈጺሙ።

ሓደ ደቒቕን 19 ካልኢትን ድሒራ ካብ ዝመጸት ዓባይ ጉጅለ፣ ኤርትራውያን ተቀዳደምቲ ሜሮን ኣማኒኤል መበል 17፣ ኣባል ዩሮፕካር ናትናኤል ብርሃነ ድማ መበል 18 ተርታ ሒዞም።
ብውህሉል ግዜ፣ ትማሊ ንፈለማ ግዜ ሃዲማ ነቲ ውድድር ካብ ዝተዓወተትሉ 16 ዝኣባላታ ጉጅለ፣ እቶም 12 ተቀዳደምቲ ካብ ዝተረፉ ልዕሊ 70 ተቀዳደምቲ ናይ ልዕሊ ሓደ ደቒቕ ጋግ ከንጸፉ ኪኢሎም ኣለው። ኢጣልያዊ ተቀዳዳማይ ክለብ ላምብረ – ኣንድርያ ፓሊኒ ብ8 ሰዓትን 50 ደቒቕን ብጫ ማልያ ክለብስ እንከሎ፣ ሞሮካዊ ሓጂ ሶፋኒ ብ3 ካልኢት ድሒሩ 2ይ፣ ተቐዳዳማይ ክለብ ዩሮፕካር ዮሃን ጀን ብ7 ካልኢት ድሒሩ 3ይ፣ ኣድርያን ፔቲ ካብ ኮፊዲስን ጋትያን ቢል ካብ ሎቶን ብተመሳሳሊ ብ7 ካልኢት ዲሒሮም 4ይን 5ይን፣ ወዲ 18 ዓመት ኤርትራዊ ተቀዳዳማይ መርሃዊ ቅዱስ ድማ ብ8 ካልኢት ዲሒሩ 6ይ ተርታ ሒዙ’ሎ።

ብዘይካ መርሃዊ ቅዱስ፣ ካብ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ተስፎም ዑቕባማርያም’ውን ካብ ብጫ ማልያ ለቢሱ ዘሎ ኣንድርያ ፓሊኒ፣ ብ12 ካልኢት ዲሒሩ ኣብ ውህሉል ግዜ 8ይ ተርታ ሒዙ’ሎ።
ኣብ ውህሉል ግዜ 3 ጋንታታት ጥራይ ኢየን ከክልተ ተቀዳደምቲ ከእትዋ ክኢለን ዘለዋ። ንሳተን ድማ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፣ ክለብ ዩሮፕካርን ኮፊድስን‘የን። መንእሰያት ተቀዳደምቲ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ምስ ዘለዎም ሓጺር ተመክሮ፣ ኣንጻር ንውድድራት ቱር.ዲ.ፍራንስን ጂሮ.ዲ.ኢጣልያን ዝፈልጥዎ ስሙያት ተቀዳደምቲ ገጢሞም ዘርእይዎ ዘለው መኸተ ብቀሊል ዝግለጽ ኣይኮነን።
ኣብ 5ይ መድረኽ ተሰሪዑ ኣብ ዘሎ ተሪር ዓቐብ፣ ኤርትራውያን መንእሰያት ብፍሉይ ብቕዓቶም ከንጸባርቑሉ ትጽቢት ኣሎ።
ዙር ጋቦን 2013፣ ሎሚ ካብ ኦየም ናብ ሚትዚክ ብዝኣቱ 109 ኪሎሜተር ክቕጽል’ዩ።

******** ኣ.ዜ.ኤ ********

Hirgigo power plant: Project worth over 98 Million...

Cabinet Ministers holds meeting

“Beyond Refugee Crisis and Human Tracking...

Engaging & Understanding the Horn of Africa...

Speech by H. E. Ambassador Hanna Simon, Permanent...

The Board of Directors of the African Development...