August 22, 2013

ትሕዝቶ ቍሸት ህጻናት፡ ንደቆም ዘዕግብ ኮይኑ ከምዝረኸብዎ ወለዲ ገሊጾም፣

ትሕዝቶ ቍሸት ህጻናት፡ ንደቆም ዘዕግብ ኮይኑ
ከምዝረኸብዎ ወለዲ ገሊጾም፣

ትሕዝቶ ቍሸት ህጻናት፡ ንደቆም ዘዕግብ ኮይኑ ከምዝረኸብዎ ወለዲ ገሊጾም፣

ኣብ ቀጽሪ ሃገራዊ ፈስቲቫል ደቀምሓረ ተዳልዩ ዘሎ ቍሸት ህጻናት፡ ዝተፈላለየ ንህጻናት ዘዘናግዕን ዘምህርን ትሕዝቶ ስለዘለዎ፡ ንደቆም ዘዕግብ ኮይኑ ከም ዝረኸብዎ ወለዲ ገሊጾም፣

ኣብ’ቲ ቍሸት ዝነጥፉ ኣቶ ተኽለ ገብረመስቀልን መምህር ኣዜብ ኣማኒኤልን፡ ብዛዕባ’ቲ ተዳልዩ ዘሎ ትሕዝቶ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ። ኣብ ከም’ዚ ዝበለ ሃገራዊ ምትእኽኻብ ንቘልዑ ዝለዓለ ኣቓልቦ ክወሃብ ኣገዳሲ ምዃኑ ብምግንዛብ። ኣብ ርእሲ’ቲ በብደረጃ ዕድመኦም ዝጥቀሙሉ መሃሪን ኣነቓቓሕን ትሕዝቶ፡ ዝተፈላለየ ዓይነት መጻወቲ ተቐሪቡ ከምዘሎ ኣፍሊጦም፣

ካብ ነጋድያን መንእሰይ ምሕረት ሃብተገብሪኤልን ኣቶ ሚኪኤል ገብረንጉስን ብወገኖም። ንቘልዑን ህጻናትን ተዳልዩ ዘሎ ትሕዝቶ፡ እናተዘናግዑ ንኽወርሱ ዝሕግዝ ኮይኑ ከምዝረኸብዎ ሓቢሮም፣

ካብ ቈልዑ – ተመሃሪት ሄለን ሃብተን ይከኣሎ ህብትዝግን ድማ። ኣብ’ዚ ፈስቲቫል ንዕኦም ኣብ ዝተዳለወ ቍሸት እናተዘናግዑን እናተማህሩን ግዜኦም ኣብ ጽቡቕ ከምዘሕለፍዎ ኣብሪሆም፣

****** ኣ.ዜ.ኤ ******

Funeral service of veteran fighters Brig. Gen....

National Council of Eritrean Americans (NCEA)...

Eritrean Sensation Aron Kifle and Awet Habte...

Eritrean Community festival in Eastern Canada

Diaspora News – Global compact for safe,...

Campaign to make Westerners aware of Ethiopia’s...