April 5, 2011

ተቐማጦ ኣርባዕተ ኣስመራ፣ ልዕሊ 23 ሄክታር ብወፈራ ዛልዮም።

ተቐማጦ ኣርባዕተ ኣስመራ፣ ልዕሊ 23 ሄክታር ብወፈራ ዛልዮም።

ምምሕዳር ዞባ ማእከል ኣብ ኩሉ ከባቢታት መደባት ልምዓት ንምክያድ ብዝወጠኖ መደብ መሰረት፣ ተቐማጦ ኣርባዕተ ኣስመራ ካብ ወርሒ ለካቲት ክሳብ ወርሒ መጋቢት ብዘሰላሰልዎ ወፈራዊ ዕማም፣ ልዕሊ 23 ሄክታር ዛልዮም።

እቶም ተቐማጦ፣ ኣብ ኣርባዕተ ገጻት 40 ሄክታር ቀላጥ መሬት ንምልማዕ መደብ ከምዘለዎም፣ ሽማግለታት ልምዓት ዓዲ ኣርባዕተ ኣስመራ ኣነጺረን።

ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ኣቶ ካሕሳይ ገብርሂወት ነቲ ዝተሰላሰለ ልምዓታዊ ስርሓት ድሕሪ ምዕዛብ፣ እቲ ዝተወስደ ተበግሶን ኣወዳድባን ንካልኦት ኣብነት ኪኸውን ዘለዎ እምነት ብምግላጽ፣ መሬት ዋንነት ናይ ሕጂ ወለዶ ጥራይ ዘይኮነ ናይ መጻእቲ ወለዶታት’ውን ስለዝኾነ፣ ብግቡእ ኣልሚዕካ ምትሕልላፉ ሓላፍነት ናይ’ዚ ወለዶ’ዚ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ሕርሻ ዞባ ማእከል ኢንጂነር ኣብርሃም ዳኒኤል ብወገኑ፣ ሓረስቶት ክራማት ቅድሚ ምምጽኡ ነቲ ዝተወጠነ ልምዓታዊ መደባት ንምዕዋት፣ ብኣጋ ዝግረብ ቦታታት ድሉው ኪገብሩ ብምዝኽኻር፣ እቲ ጨንፈር እኹል ፈልስታት ኣዳልዩ ምህላዉ ኣረጋጊጹ።

ሓላፊ ቁጠባዊ ልምዓት ዞባ ማእከል ኣቶ የማነ ኣባይ ድማ፣ ውዳበ ወሳኒ ስለዝኾነ፣ ሓረስቶት ብግቡእ ክውደቡ ብምልባው፣ ኣብ ኩሉ ዝካየድ መደባት፣ ምምሕዳር ዞባ ኣብ ጎድኖም ብምዃን ከምዝተሓጋገዞምን ኣነጺሩ።

****** ኣ.ዜ.ኤ ******

President Isaias met and held talks with Crown...

Eritrean Delegation led by Mr. Abdelkadir Hamdan...

الملك سلمان يرعى اتفاقية السلام بين إريتريا...

President Isaias Afwerki and Prime Minister Abiy...

President Isaias Afwerki left for Saudi Arabia

President Isaias met and held talks with Egyptian...