February 14, 2013

ተሳተፍቲ ጋንታታት ዙር ኤርትራ 2013 ኣስመራ ኣትየን

ተሳተፍቲ ጋንታታት ዙር
ኤርትራ 2013 ኣስመራ ኣትየን

ተሳተፍቲ ጋንታታት ዙር  ኤርትራ 2013 ኣስመራ ኣትየንካብ 16-24 ለካቲት 2013 ዝካየድ ሰለስተ ብዩ.ሲ.ኣይ ነጥቢ ዝተሓዞ ኣህጉራዊ ቅድድም ብሽክለታ ዙር ኤርትራ ዝሳተፋ ሃገራውያን ጋንታታት ብሽክለታ ሩዋንዳ፣ ኣልጀርያ፣ ምስሪ፣ ሱዳንን ኮቲነንታል ክለብ GSP- ኣልጄርያን ብ 13 ለካቲት ኣስመራ ኣትየን።

ብዘይካ’ዚ ነቲ ውድድር ክትኣሊ ብዓለማዊ ማሕበር ቅድድም ብሽክለታ u.c.i ዝተመዘዘት ፖርቱጋላዊት ኮሚሽነር ኢዛቤላ ማርያ ፍራንኮ ፈርናንደዝ ትማሊ ሓሙስ ኣስመራ ምእታዋ ክፍለጥ እንከሎ እቲ ውድድር ብዝተታሕዘሉ መደብ ቀዳም 16 ለካቲት ነቲ ብ Fenkil Northern Red-sea ዝስመ ናይ ክልተ መድረኽ ውድድሩ ካብ ሕርጊጎ ናብ ጊንዳዕ ብዝተሰርዐ ቅድድም ክፍልም ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ፣ ንጽባሒቱ ሰንበት 17 ለካቲት 2013 ድማ ኣብ ውሽጢ ከተማ ምጽዋዕ ብዝካየድ ናይ ቹርኪቶ ወድድር ( Massawa Circuit ) ክቕጽል’ዩ። ስዒቡ ካብ 19-22 ለካቲት ካብ መንደፈራ ተበጊሱ ክሳብ ተሰነይ ዝበጽሕ 4 መድረኻት ዘጠቓለለ ውድድር ዙር ኤርትራ ድሕሪ ምስልሳሉ ድማ 24 ለካቲት 2013 ኣብ ውሽጢ ከተማ ኣስመራ ናይ ቹርኪቶ ውድድር ( Asmara Circuit ) ብምክያድ ፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ሰሪዕዎ ዘሎ ሰለስተ ኣህጉራዊ ውድድር ፍጻሜ ክረክብ’ዩ።

ኣዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ 14 ተቐዳደምቲ ብምጥርናፍ ስሩዕ ልምምዳታት ከተካይድ ዝጸንሐት ሃገራዊት ጋንታ ቅድድን ብሽክለታ ኤርትራ ኣብቲ ውድድር እሳትፈን ክልተ ጋንታታት መምያ ንውድድር ቀሪባ ምህላዋ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣቶ ሙሴ ኣስሄል ረቡዕ 13 ለካቲት 2013 ኣማስያኡ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ። በዚ መሰረት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራን ጋንታ ሬድሲ-ካሜልስን እትሓቑፎም ምሩጻት 12 ተቐዳደምቲ እዞም ዝስዕቡ እዮም፣-

ሃ/ጋ/ኤርትራ
1- መርሃዊ ቅዱስ
2- ተስፎም ዑ/ማርያም
3- ሜሮን ኣማኑኤል
4- ሜሮን ተሾመ
5- መኽሰብ ደበሳይ
6- በረኸት የማነ
ጋንታ ሬድሲ-ካሜልስ
1 ተስፋይ ኣብርሃ
2- ኤሊያስ ኣፈወርቂ
3- ሰለሞን ሃብተ
4- ዓወት ገ/መድህን
5- ናሆም ደሳለ
6- ኪድሽሕ ደበሳይ

ህዝባዊ ርክባት
ኮሚሽን ስፖርት ኤርትራ

Hirgigo power plant: Project worth over 98 Million...

Cabinet Ministers holds meeting

“Beyond Refugee Crisis and Human Tracking...

Engaging & Understanding the Horn of Africa...

Speech by H. E. Ambassador Hanna Simon, Permanent...

The Board of Directors of the African Development...