July 15, 2012

ተሳተፍቲ ዞባዊ ዋዕላ መንእሰያት ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ ኣብ ኤርትራ ንዘስተማቐርዎ ሰላምን ርግኣትን ብኣድናቖት ገሊጾም።

ተሳተፍቲ ዞባዊ ዋዕላ መንእሰያት ምብራቕ ኣፍሪቃ፣
ኣብ ኤርትራ ንዘስተማቐርዎ ሰላምን
ርግኣትን ብኣድናቖት ገሊጾም።

ተሳተፍቲ ናይቲ ካብ 7 ክሳብ 10 ሓምለ ኣብ ኣስመራ ዝተቓንዐ ዞባዊ ዋዕላ መንእሰያት ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝጸንሑሉ እዋን ንዘስተማቐርዎ ሰላምን ርግኣትን ብኣድናቖት ገሊጾም።

እቶም ዜጋታት ሪፓብሊክ ሱዳን፣ ሞሪሸስ፣ ሶማልያ፣ ታንዛንያ፣ ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን፣ ርዋንዳ፣ ኡጋንዳ፣ ምስሪን ካልኦትን ዝኾኑ ተሳተፍቲ ብ11 ሓምለ ኣብ ወደባዊት ከተማ ባጽዕ ድሕሪ ዘካየድዎ ዕደት ንኤሪና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፣ እቲ ዝተዓዘብዎ ጸጥታን ሰላምን ውጽኢት ስጡም ዝምድና ህዝብን መንግስትን ምዃኑ ከምእተገንዘቡን ከምዝመሰጦምን ኣረዲኦም።

ሱዳናዊ መሓመድ ዑስማንን ሶማላዊ መሓመድ ዓሊን፣ ኣብ ኤርትራ ዝተዓዘብዎ ገስጋስ መደባት ልምዓትን ርጉእ ህይወት ህዝብን፣ ቅኑዕ ስእልን ሓበሬታን ብዛዕባ ኤርትራ ንምትሕልላፍ ከምዝሕግዞም ኣረጋጊጾም።

ፍሕሽው ኣቀባብላን ኣኽብሮትን ህዝቢ ኤርትራ ከምዝመሰጦም ዝሓበሩ ኬንያዊ ቤንጃሚን ጋኩርን ግብጻዊት ሪሃን መሓመድን ብወገኖም፣ ኤርትራ እትውንኖ ቱሪዝማዊ ጸጋታት ብዝግባእ ምውዕዋዕ ምስ ዝግበረሉ፣ ሓንቲ ካብ ቀንዲ መስሕብ በጻሕቲ ከምእትኸውን ጽኑዕ እምነቶም ገሊጾም።

“ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሰላምን ርግኣትን፣ መርኣያ ስልጡን ባህሊን ምክብባርን ህዝባ’ዩ” ዝበለ ኢትዮጵያዊ መሓመድ ኣልሓሰን ብግደኡ፣ ኣብ ኤርትራ ምዕሩይ ተሳትፍነት ጾታ ክዕዘብ ከምዝኸኣለ ኣነጺሩ።

ኣማሓዳሪት ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ወይዘሮ ጽገረዳ ወልደገርጊስ ኣብ ዘስመዓቶ ቃል፣ ኤርትራ ተመዝግቦ ዘላ ልምዓታዊ ገስጋስ ውጽኢት ሓራ ፖለቲካዊ መስመራ፣ ከምኡ’ውን ሓድነትን ተወፋይነትን ህዝባ ብሓፈሻ መንእሰያታ ድማ ብፍላይ ከምዝኾነ ብምጥቃስ፣ ጸገማት ኣህጉር ኣፍሪቃ ብዘተን ምርድዳእን ደቃ ጥራይ ስለዝፍታሕ፣ ኣፍሪቃዊ ተበግሶ ኣብ ምሕያል ዕዙዝ ተራ ክጻወቱ ኣዘኻኺራ።

**** ኣ.ዜ.ኤ ****

President Isaias met and held talks with Russian...

Joint Press Statement following the visit by the...

Eritrea elected to the UN Human Rights Council

Italian Prime Minister conducts official visit to...

Sustainable Development Goal 16 –...

STATEMENT BY HIS EXCELLENCY MR. OSMAN SALEH...