January 2, 2012

ተማሃሮ ኮለጅ ጥዕና ኣስመራ፣ ጥዕና ህዝቢ ንምውሓስ ዓጸፋ ክሰርሑ ምዃኖም ገሊጾም።

ተማሃሮ ኮለጅ ጥዕና ኣስመራ፣ ንዝተማህርዎ ፍልጠት ኣብ ምውሓስ ጥዕና ሕብረተሰቦም ንምውዓሉ ዓጸፋ ክሰርሑ ምዃኖም ገሊጾም።

ንሳቶም ንኤሪና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፣ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ምስ ምስፋሕ ትካላት ጥዕና ጠለብ ሞያውያን እናዓበየ ይመጽእ ከምዘሎ ብምግላጽ፣ ትምህርቶም ምስ ዛዘሙ ኣብ ዝተመደብዎ ከባቢ ዝበለጸ ኣገልግሎት ንምሃብ ብተወፋይነት ከምዝዓዩ ኣረጋጊጾም።

ተማሃሮ ኣብሰራ ወልዱን እድሪስ ዑስማንን፣ ብናጻ ዝረኽብዎ ዘለዉ ትምህርቲ ብዋጋ ዘይትመን ፍልጠት የቕስሞም ከምዘለዎ ብምምልካት፣ “ኣብ ምምዕባልናን ምዅስኳስናን ገዚፍ ወፍሪ ንዝገብሩ ዘለዉ መንግስት ህዝብን ንምግልጋል ቃል ንኣቱ” ክብሉ ሓቢሮም።

ተማሃሮ መንሱር እድሪስን ኬብሮን ዮውሃንስን ብወገኖም፣ ዝወሃቦም ዘሎ ኣገባብ ትምህርቲ ግዜኻ ብግቡእ ንኽትጥቀመሉ ሓጋዚ ብምዃኑ፣ እኹል ፍልጠት ንኽቐስሙ ጥጡሕ ባይታ ከምዝፈጠረሎም ኣነጺሮም።

መምህር ተኽለወይኒ ወልዳይ ብግደኡ፣ ኮለጅ ጥዕና ኣስመራ ዋሕዲ ሞያውያን ሓካይም ንምፍታሕ ዕዙዝ ተራ ይጻወት ከምዘሎ ብምምልካት፣ ኣብ መጻኢ ብዝለዓለ ክነጥፈሉ ምዃኑ ኣነጺራ።

ኣብ’ቲ ኮለጅ ሓላፊ ቤት-ትምህርቲ ተሓጋገዝቲ ሰብ-ሞያ ጥዕና መምህር ኑረዲን መሓመድ ቃስም ድማ፣ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ብጽቡቕ ይስጕም ከምዘሎ ጠቒሱ፣ ተማሃሮ ብቑዕ ፍልጠት ይቐስሙ ከምዘለዉ ኣረዲኡ።

***** ኣ.ዜ.ኤ *****

Eritrea participate at The Red Sea nations...

Switzerland partners with UNDP to support Eritrea...

العربية للطيران تضيف “ارتيريا” إلى...

Foreign Minister Outlines Eritrea’s Achievement...

ENT Diagnostic and Operation Centre Inaugurates

“Eritrea’s Anti-Corruption Experience” ...