August 1, 2011

ተማሃሮ፣ ኣባላት 25 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ ሳዋ ወሪዶም

ተማሃሮ፣ ኣባላት 25 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ ሳዋ ወሪዶም

ተማሃሮ ኣባላት 25 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ናይ 12 ክፍሊ ኣካዳምያዊ ትምህርቶም ንምዝዛምን ሃገራዊ ግቡኦም ንምፍጻምን ከካብ ዞባኦም ናብ ሳዋ ወሪዶም።

እዞም ኣብ መላእ ሃገር ካብ ዝርከባ 69 ኣብያተ-ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ዝተዋጽኡ ተማሃሮ፣ ኣስታት 18 ሽሕ ከምዝኾኑ ካብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

እዞም ኣብዚ ቅንያት’ዚ ናብ ሳዋ ዝወረዱ ተማሃሮ፣ ከካብ ዞባኦም ኣብ ዝተበገሱሉ፣ ወለዶም፣ ኣዕሩኽቶምን ፈተውቶምን ብድሙቕ ኣገባብ ኣፋንዮምዎም።

እቶም ተማሃሮ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፥ “ትምህርቲ ማእዝን ብሩህ መጻኢን ምዕባለን’ዩ። ሳዋ ከኣ ድልዱል መሰረት ናይ’ዚ ራኢ‘ዚ እተትሕዝ ባይታ ፍልጠትን ሃገራውነትን’ያ” ብምባል፣ ትምህርቶም ብግቡእ ተኸታቲሎም ዝበለጸ ውጽኢት ከመዝግቡ ድሉዋት ምህላዎም ኣረጋጊጾም።

ወለዲ ብወገኖም፣ ሳዋ ማእከል ሞያን ፍልጠትን ብልጽቲ መዲና ምዃና ብምጥቃስ፣ ደቆም ብሓያል ወኒን ድልየትን ከምእተበገሱ ሓቢሮም።

**** ኣ.ዜ.ኤ ****

President Isaias concludes official visit to...

Speech delivered by President Isaias Afwerki at...

Eritrea reopens embassy in Addis Ababa in fresh...

President Isaias arrives in Addis Ababa

State Lunch in honor of President Isaias

Seminar by President Isaias in Sawa